ስፓርት

ስፓርት

ትፅቢት ዝተገበረሉ ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ብዓወት ጋንታ ሊቨርፑል ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ጋንታታት ማንቸስተር ዩናይትድን ሊቨርፑልን ዝተኻየደ ፀወታ ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ብዓወት ጋንታ ሊቨርፑል 3 ን 0 ተዛዚሙ። ትፅቢት ዝተገበረሉ ፀወታ እዚ ሰሙን ካብ ሰዓት 12፡00 ጀሚሩ ኣብ ስታዲየም ኦልርታራፎርድ ዝተኻየደ እንትኸውን÷ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ሜዳኣን ኣብ ቅድሚ ደገፍታን ስዕረት ኣተኣናጊዳ። ሊቨርፑል 3 ን 0 ንኽትዕወት÷ ሉዊስ ዲያዝ ኣብ መበል 35 ን 42 ደቒቕ፤ ሞ ሳላህ ኣብ መበል 56 ደቒቕ ነተን ሸቶታት ኣመዝጊቦምወን፡፡ ነዚ ስዒቡ ሊቨርፑል…
Read More...

ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኒውካስል እንትትዕወት ቸልሲ ማዕረ ተፈላሊያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበላ ሳልሳይ ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየርሊግ እንግሊዝ ኒውካስል ንቶተንሃም እንትትስዕር ቸልሲን ክሪስታል ፓላስን ማዕረ ተፈላሊየን፡፡ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 9፡30 ኣብ ዝተኻዱ ፀወታታት÷ ኒውካስል ዩናይትድ ምስ ቶተንሃም ኣብ ዝገበረኦ ፀወታ ብዓወት ጋንታ ኒውካስል ዩናይትድ 2 ን 1 ተዛዚሙ፡፡ ሸቶታት ኒውካስል ሃርቤ ባርነስን…

ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ደርቢ ላንክሻዬር ኣብ ስታዲየም ኦልድትራፎርድ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል ሳልሳይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ጋንታታት ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ሊቨርፑል ዝገብረኦ ፀወታ ደርቢ ላንክሻዬር ሎሚ መዓልቲ ምሸት ሰዓት 12 ክካየድ ኢዩ። ቅድም ክብል ካብ ዝተኻየዱ ሽዱሽተ ፀወታታት ደርቢ ላንክሻዬር ጋንታ ሊቨርፑል ሓሙሽተ ግዘ ከምኡ እውን ማንቼስተር ዩናይትድ ሓደ ግዘ ስዒረን፡፡ ግብፃዊ…

ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ካብ ዓለም ካልአይቲ ብምዃን እቲ ሻምፒዮና ዛዚማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ፔሩ ሊማ ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ለኸ ውድድር ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና ትሕቲ 20 ዓመት ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ካብ ዓለም ካልአይቲ ብምዃን ውድድራ ዛዚማ። ኣብቲ ውድድር÷ 6 ወርቂ፣ 2 ብሩርን 2 ነሓስን ብሓፈሻ 10 ሜዳሊያታት ብምእካብ ኢያ ዛዚማ። ኣትሌት መዲና ኢሳ ብ5 ሺሕ ሜትሮ፣ ሲምቦ ዓለማየሁ ብ3 ሺህ…

ኣትሌት ኣብዲሳ ፈይሳ ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ንኢትዮጵያ ሜዳሊያ ወርቂ ኣምፂኡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፔሩ ሊማ ይካየድ ኣብ ዘሎ ውድድር ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና ትሕቲ 20 ዓመት፥ ኣትሌት ኣብዲሳ ፈይሳ ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ንኢትዮጵያ ሜዳሊያ ወርቂ ኣምፂኡ። ኣትሌት ኣብዲሳ ፈይሳ 3:40.51 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ኢዩ ቀዳማይ ወፂኡ።

ኢትዮጵያ ብውድድር 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ኣኒስቲዩ ሜዳሊያ ወርቂ ረኺባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፔሩ ሊማ ይካየድ ኣብ ዘሎ ዓለም ለኸ ውድድር ኣትሌቲክስ ሻምፒዮና ትሕቲ 20 ዓመት ኢትዮጵያ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ኣኒስቲዩ ሜዳሊያ ወርቂ ረኺባ። ኣትሌት ሳሮን በርሀ ንኢትዮጵያ ብምውካል ኢያ ነቲ ሜዳሊያ ኣምፂኣ። ኣትሌት ፅጌ ተሾመ ድማ 4:23.81 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው መበል 12 ብምዃን ነቲ ውድድር ዛዚማ።

ሎሚ ኣብ ዝዛዘም ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያውያን ልዑል ትፅቢት ዝግበሩሎም ሰለስተ ውድድራት ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፔሩ ሊማ እንትካየድ ዝነበረ ዓለም ለኸ ውድድር ሻምፒዮና  ትሕቲ 20 ዓመት ሎሚ ክዛዘም ኢዩ። ብመሰረት እዚ ኣብቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ መርሃ ግብሪ፥ ኢትዮጵያውያን ልዑል ትፅቢት ዝግበሩሎም ሰለስተ ውድድራት ክካየዱ ኢዮም። ኣትሌት ሳሮን በርሀን ፅጌ ተሾመን ብ1 ሺሕን 500 ሜትር ደቂ ኣኒስቲዮ ለይቲ ሰዓት 7:00…