ስፓርት

ስፓርት

ኣትሌት ኣለሽኝ ባወቀ ኣብ ውድድር 3 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣኒስቲዮ ንሃገራ ሜዳሊያ ወርቂ ኣምፂኣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ኣለሽኝ ባወቀ ኣብ ፔሩ ሊማ ይካየድ ኣብ ዘሎ ዓለም ለኸ ውድድር ሻምፒዮና  ትሕቲ 20 ዓመት 3 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣኒስቲዮ ንሃገራ ሜዳሊያ ወርቂ ኣምፂኣ። ኣትሌት ኣለሽኝ ነቲ ርሕቐት ብ8:50.32 ብምዝዛም ኢያ ቀዳመይቲ ብምዃን ተዓዊታ። ብመሰረት እዚ ንሃገራ መበል ራብዓይ ሜዳሊያ ወርቂ ምምዝጋብ ክኢላ ኣላ። ኣትሌት ማርታ ኣለማየሁ ድማ ኣብቲ ውድድር መበል ሳልሳይ ደረጃ ብምሓዝ ሜዳሊያ ነሓስ ተዓዊታ። ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ ኣብቲ ሻምፒዮና፥ 4 ወርቂ፣ 2 ብሩርን ሓደ ነሓስን…
Read More...

ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት ኣብ ውድድር ዳይመንድ ሊግ ሮም ብ5 ሽሕ ሜትሮ ቀዳማይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት ኣብ መበል 13 ውድድር ዳይመንድ ሊግ ሮም 2024 ብ5 ሽሕ ሜትሮ ቀዳማይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊቱ። ኣትሌት ሓጎስ ገ/ህይወት ነቲ ርሕቐት ብ12 ደቒቓ 51 ሰከንድን 07 ማይክሮ ሰከንድን ብምዝዛም ኢዩ ተዓዊቱ። ኣብቲ ውድድር ኣትሌታት ዮሚፍ ቀጀልቻን ሰለሞን ባረጋን ካልኣይን ሳልሳይን ደረጃ ሒዞም…

ኢትዮጵያ እትሳተፈሎም 4 ውድድራት ፍፃመ ሻምፒዮና ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት ሎሚ ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፔሩ ሊማ ይካየድ ኣብ ዘሎ ሻምፒዮና ዓለም ትሕቲ 20 ዓመት፥ ኢትዮጵያ እትሳተፈሎም 4 ውድድራት ፍፃመ ክካየዱ ኢዮም። ብመሰረት እዚ ኣትሌት ህይወት ኣምባውን ኣትሌት ብርሃን ሙሉን ዝሳተፋሉ ውድድር ስጉሚ 10 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣኒስቲዮ ምሸት ሰዓት 12፡25 ክካየድ ኢዩ። ብደቂ ተባዕቲዮ 800 ሜትሮ ድማ ኣትሌት…

ኣትሌት ሲምቦ ኣለማየሁ ብደቂ ኣንስትዮ 3 ሺሕ ሜትሮ መሕንኩሎ ንኢትዮጵያ ሜዳሊያ ወርቂ ኣምፂኣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፔሩ ሊማ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ትሕቲ 20 ዓመት ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኣትሌት ሲምቦ ኣለማየሁ ብደቂ ኣንስትዮ 3 ሺሕ ሜትሮ መሕንኩሎ ንኢትዮጵያ ሜዳሊያ ወርቂ ኣምፂኣ። ኣትሌት ሲምቦ ብ9 ደቒቕ 12 ሰከንድን 71 ማይክሮ ሰከንድን ብምእታው ክብረወሰን እቲ ሻምፒዮና ብምስባር ኢያ ክትዕወት ክኢላ ዘላ፡፡ ኣብቲ…

ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ትፅቢት ዝግበራሎም ውድድራት ፍፃመ ሎሚ ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍቢሲ)ኣብ ፔሩ ሊማ ይካየድ ኣብ ዘሎ መበል 20 ሻምፒዮና ትሕቲ 20 ዕድመ ኣትሌቲክስ ዓለም ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ትፅቢት ዝግበራሎም ውድድራት ፍፃመ ሎሚ ክካየዱ ኢዮም። ውድድር ፍፃመ 3 ሺሕ ሜትር መሐንኩሎ ለይቲ ሰዓት 7፡37 ዝካየድ እንትኸውን፥ ኣብቲ ውድድር ኣትሌት ሲምቦ ኣለማየሁን ትዕግስት ገሰሰን ንኢትዮጵያ ብምውካል ክሳተፋ…

ብ5000 ሜትር ውድድር ፍፃመ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮያውያን ኣትሌታት ተዓዊተን

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ትሕቲ 20 ዓመት 5000 ሜትሮ ውድድር ፍፃመ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮያውያን ኣትሌታት ተዓዊተን። ኣትሌት መዲና ኢሳ ብ14:39:71 ቀዳመይቲ ብምውፃእ ክብረወሰን ዓለም እቲ ውድድር ሜዳልያ ወርቂ ተዓዊታ። ኣትሌት መቅደስ ኣለምሸት ድማ ብ14:57:44 ካልአይቲ ብምውፃእ ተሸላሚት ሜዳልያ ብሩር ኮይና። ብተመሳሳሊ ብ5000…

ኢትዮጵያ ትፅቢት እትግበረሎም ክልተ ውድድራት ፍፃመ ኣትሌቲክስ ሎሚ ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ፔሩ ሊማ ዝካየድ መበል 20 ዓለም ለኸ ውድድር ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ትሕቲ 20 ዓመት ሎሚ መዓልቲ ክጅመር ኢዩ። ብመሰረት እዚ ለይቲ 7፡25 ኣብ ዝካየድ 5 ሺሕ ሜትሮ ውድድር ደቂ ኣኒስቲዮ ኣትሌት መዲና ኢሳን መቅደስ ኣለምእሸትን ክዕወታ ኢየን ዝብል ልዑል ትፅቢት ኣሎ። ሰዓት 7፡55 ድማ 5 ሺሕ ሜትሮ ፍፃመ…