ስፓርት

ስፓርት

ኣትሌት ትእግስት ኣሰፋ ኣብ ውድድር ማራቶን ዘመዝገበቶ ሰዓት ኣብ ጊነስ ወርልድ ተመዝጊቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ትእግስት ኣሰፋ ኣብ ውድድር ማራቶን ዘመዝገበቶ ሰዓት ኣብ ጊነስ ወርልድ ተመዝጊቡ። እታ ኣትሌት ኣብ በርሊን ውድድር ጒያ ማራቶን ደቂ ኣኒስቲዮ፥  2 ሰዓትን 11 ደቒቓን 53 ሰከንድን ብምእታው ሓዱሽ ከብረ ወሰን ምምዝጋባ ይዝከር። ብመሰረት እዚ ኣብ ጊነስ ወርልድ ሪከርድ ምምዝጋባ ዝገለፅ ሰርተፊኬ ምቕባላ ኣብ ሚኒስቴር ባህሊን ስፖርትን ፌዴሪኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
Read More...

ትሕቲ 20 ዓመት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ንጅቡቲ መዘናኣ 5 ን 0 ብምስዓር ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ትሕቲ 20 ዓመት ደቂ ተባዕትዮ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ጅቡቲ ኣብ ዘካየደቶ መለክዒ ቁመና ፀወታ 5 ን 0 ብምስዓር ተዓዊታ። ትሕቲ 20 ዓመት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ካልኣይ መለክዒ ቁመና ፀወታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስታዲየም ኣበበ ቢቂላ ምስ ጅቡቲ መዘናኣ ኣካይዳ፡፡ ኣብቲ ፀወታ፤…

ኣንቶዋን ግሬዝማን ንባዕሉ ካብ ዓለም ለኸ ፀወታታት ኣግሊሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፈረንሳዊ ተፃዋቲ ኣንቶዋን ግሬዝማን ንባዕሉ ካብ ዓለም ለኸ ፀወታታት ከምዘግለለ ዕላዊ ገይሩ። እቲ ተፃዋቲ ካብ ሃገራዊት ጋንትኡ ከምዘግለለ ብምግላፅ ኣብ ዝተረፈ ህይወት ኩዕሾ እግሪ ፀወትኡ ምስ ጋንትኡ ኣትሌቲኮ ማድሪድ ትኹረት ከምዝገብር ኣፍሊጡ። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2014 ጀሚሩ ነሃገሩ ፈረንሳይ ምፅዋት…

ጋንታ ወልቂጤ ከተማ ካብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ተሰሪዛ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ንጋንታ ኩዕሾ እግሪ ወልቂጤ ከተማ ካብቲ ሊግ ከምዝሰረዛ ኣፍለጡ። እታ ጋንታ ንዘበነ ውድድር 2017 ናይ ጋንታ ላይሰንሲንግ ምዝገባን ካልኦት ዝተቐመጡ መለክዒታትን ብዘይምምላኣ ኢያ ካብቲ ሊግ ተሰሪዛ ዘላ፡፡ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መብርሂ÷ ሓንቲ ጋምታ ንዘበነ…

ማንቼስተር ሲቲን ኒውካስል ዩናይትድን ማዕረ ተፈላሊየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል ሻድሻይ ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ማንቼስተር ሲቲን ኒውካስል ዩናይትድን ማዕረ ተፈላሊየን። እቲ ፀወታ ሰዓት 8፡30 ድሕሪ ቀትሪ ዝተኻየደ አንትኸውን፥ ዮስኮ ጋቫርዲዮል ብዘቑፀራ ሸቶ ማንቼስተር ሲቲ ነቲ ፀወታ መሪሓ ነይራ። ይኹን እንበር ድሕሪ ዕረፍቲ ኣብ ዝነበረ ፀወታ ኣንቶኒ ጎርደን ብፍፁም…

ፅጌ ዱጉማ አብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 800 ሜትሮ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ፅጌ ዱጉማ አብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 800 ሜትሮ ተዓዊታ። እታ ኣትሌት ነቲ ርሕቕት 1 ደቒቕ 57 ሰከንድን 43 ማይክሮ ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ውድድራ ብዓወት ዛዚማ፡፡

ኣብ ከተማ ዓዲግራት ብምኽንያት በዓል መስቀል 2017 ዓ/ም ዓብዪ ጉያ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ዓዲግራት ብምኽንያት በዓል መስቀል 2017 ዓ/ም ዓብዪ ጉያ ተሳሊጡ። እቲ ጉያ ብምትሕብባር ማሕበር ልምዓት ዓጋመን ደገፍቲ ጋንታ ኩዕሶ ወልዋሎ ዩንቨርስቲ ዓዲግራትን ዝተዳለወ እዩ። ዕላምኡ ድማ፥ እቲ ከባቢ ንምፍላጥን መናእሰይ ኣብ ስፖርት ክሳተፉ ንምግባርን ከምዝኾነ ተገሊፁ። ብመሰረት እዚ ካብ መሸጣ…