ስፓርት
ሞሓመድ ሳላህ ሊቨርፑል ኩንትራቱ ንምንዋሕ ሕቶ ብዘይምቕራባ ከምዝሓዘነ ገሊፃ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ግብፃዊ ኮከብ ሞሓመድ ሳላህ ጋንትኡ ሊቨርፑል ክሳብ ሕዚ ኩንትራት ንምንዋሕ ሕቶ ብዘይምቕራባ ከምዝሓዘነ ኣፍሊጡ፡፡
ሳላህ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ÷ ምስ ጋንታ ሊቨርፑል ዘለዎ ኮንትራት ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ክምዝዛዘም ኣልዒሉ፡፡
ይኹን እምበር ኣብ ሊቨርፑል ንኽፀንሕ ዝኾነ ዓይነት ሕቶ መናውሒ ውዕሊ ከምዘይቀረበሉ ኣብሪሁ፡፡
“በዚ ድማ ኩነታት እንትረአ ኣብ ሊቨርፑል ካብ ምፅናሕ ብዝበለፀ ከምዝለቅቕ ዘመላኽቱ ኢዮም” ኢሉ ሞ ሳላህ፡፡
ወዲ 32 ዓመት ተፃዋታይ ከም ኣቆፃፅራ…
Read More...
ኣትሌት ሃምሳ ኣለቃ የወርቅ ውሃ ጌታቸው ንምክልኻል ኢትዮጵያ ሜዳሊያ ወርቂ ኣምፂኣ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ሃምሳ ኣለቃ የወርቅ ውሃ ጌታቸው ንምክልኻል ኢትዮጵያ ፈላማይ ሜዳሊያ ወርቂ ኣምፂኣ።
ብኣሰናዳእነት ናይጀሪያ ኣብ ከተማ ኣቡጃ እናተኻየደ ዝርከብ 2ይ ፌስቲቫል ስፐርት ሓይሊታት ጦር መላእ ኣፍሪካ እናቐፀለ እንትኸውን÷ ጉጅለ ኣትሌቲክስ ጋንታ ስፖርት መቻል ንኢትዮጵያ ብምውካል ኣብቲ ውድድር እናተሳተፈ ይርከብ፡፡…
ሊቨርፑል መሪሕነት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ናብ 8 ነጥቢ ኣስፊሓ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 12 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ናብ ስታዲየም ሴንት ሜሪ ብምምራሕ ምስ ሳውዝሃምፕተን ዝገጠመት ሊቨርፑል 3 ን 2 ብምስዓር መሪሕነታ ክተጠናኽር ክኢላ፡፡
ዶሚኒክ ሶቦስላይን ሞሓመድ ሳላህ (2)ን ናይ ሊቨርፑል ሸቶታት እንተመዝግቡ÷ ንሳውዝሃምፕተን ካብ ስዕረት ዘየድሓና ሸቶታት ድማ ኣርምስትሮንግን ማቲያስ…
ሊቨርፑል ምስ ሳውዝሃምፕተን ከምኡ እውን ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ኢፕስዊች ፀወተአን ክገብራ ኢየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 12 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ መዓልቲ እውን እንትቕፅሉ ሊቨርፑል ምስ ሳውዝሃምፕተን ከምኡ እውን ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ኢፕስዊች ፀወተአን ክገብራ ኢየን፡፡
መሪሕ እቲ ሊግ ጋንታ ሊቨርፑል ድሕ ሰዓት 11 ሰዓት ናብ ስታዲየም ሴንት ሜሪ ብምምራሕ ምስ ሳውዝሃምፕተን ክትገጥም ኢያ፡፡
ብተመሳሳሊ…
ውድድር ሻምፒዮና ብሽክሌታ በዓል ሕዳር ፅዮን ኣኽሱም ብኽልቲኡ ፆታ ተኻይዱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድድር ሻምፒዮና ብሽክሌታ በዓል ሕዳር ፅዮን ኣኽሱም ብኽልቲኡ ፆታ ማውንቴን ሎሚ ሓሙስ ቐፂሉ ተኻይዱ።
እቲ ውድድር፥ 85 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዝሸፈነ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ማውንቴን ደቂ ተባዓትዮ ብሰዓት 34.24 ኪሎ ሜትር ዝተሓንበቡ እንትኾኑ፥ ተቐዳዳማይ ጋንታ ራይት ማይ ዓዲግራት ብሽክሌተኛ ኣዶናይ ፊሊሞን ተዓዊቱ።…
ሊዮኔል ሜሲ ኣብ ዓለም ለኸ ፀወታታት ንሸቶ ዝኾኑ ናይ መወዳእታ ኩዕሾ ኣመዓራርዩ ብምሃብ ክብረወሰን ተማቒሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣርጀንቲናዊ ኮኸብ ሊዮኔል ሜሲ ኣብ ሃገራዊ ጋንታ ፀወታት 58 ንሸቶ ዝኾና ናይ መወዳእታ ኩዕሾታት ኣመዓራርዩ ብምቕባል ምስ ነበር ኣሜሪካዊ ተፃዋታይ ላንደን ዶኖቫን ክብረወሰን ተማቒሉ፡፡
ሜሲ ትማሊ ምሸት ኣብ መፃረዪ ፅዋዕ ዓለም ኣርጀንቲና ንፔሩ 1 ን 0 ኣብ ዝሰዓረትሉ ፀወታ ንወዲ ጋንትኡ ላውታሮ ማርቲኔዝ ሸቶ ዝኾነት…
ፔፕ ጓርዲዮላ ኣብ ጋንታ ማቺስተር ሲቲ ንምፅናሕ ተስማዕሚዑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሰልጣኒ ጋንታ ማንቼስተር ሲቲ ጆሴፍ ፔፕ ጓርዲዮላ ኣብታ ጋንታ ንዝቕፅል ሓደ ዓመት ዘፅነሖ መናውሒ ውዕሊ ንምፍራም ከምዝተስማዕመዐ ተሓቢሩ፡፡
ወዲ 53 ዓመት ስፔናዊ ኣሰልጣኒ፤ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2016 ናብ ማንቼስተር ሲቲን ካብ ዝፅምበር ንደሓር ሽዱሽተ ፅዋዓት ፕሪሚየር ሊግ ሓዊሱ 18 ፅዋዓት ከዕውት ክኢሉ ኢዩ፡፡…