ስፓርት

ስፓርት

ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሊቨርፑልን ቸልሲን ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሻምናይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ መዓልቲ ክልተ ፀወታታት ክግበሩ ኢዮም፡፡ ብመሰረት እዚ ማንቸስተር ሲቲ ናብ ሞሊኒዮ ስታዲየም ስታዲየም ብምምራሕ ምስ ዎልቭስ ሰዓት 10 ክትገጥም ኢያ፡፡ ብኻሊእ መዳይ ሊቨርፑል ኣብ ሜዳኣ ኣንፊልድ ሮድ ንቸልሲ 12፡30 እተተኣናግደሉ ፀወታ ልዑል ትፅቢት ይግበረሉ፡፡ ኣብቲ ፀወታ ሊቨርፑል መሪሕነት እቲ ሊግ ንምሕላው ምስ ቸልሲ ከቢድ ንሕንሕ ክትገብር ኢያ፡፡
Read More...

ቶማስ ቱሀል ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ንምዃን ተስማዕሚዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ጀርመናዊ ኣሰልጣኒ ቶማስ ቱሀል ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ንምስልጣን ኣብ ስምምዕነት ከምዝበፅሐ ተገሊፁ፡፡ ነበር ኣሰልጣኒ ጋንታታት ባየርን ሙኒክን ቼልሲ ቱሀል÷ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ብምዃን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ክሳብ 2026 ዘፅነሖ ኩንትራት ንምፍራም ምስ ማሕበር ኩዕሾ እግሪ እንግሊዝ ከምዝተስማዕምዑ ቢቢሲ…

ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ምስ ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ጊኒ ፀወትኡ ከካይድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ምፅራይ ፅዋዕ ኣፍሪካ ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ምስ ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ጊኒ ፀወትኡ ከካይድ ኢዩ። እቲ ፀወታ ምሸት ሰዓት 1 ኣብ ኣቢጃን ከምዝካየድ ተገሊፁ። ስለዝኾነ ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣቐዲሞም ናብ ኮትዲቯር አቢጃን ከምዝተጎዓዙን ልምምድ እናገበሩ ከምዝፀንሑን ተሓቢሩ።

ካብ 4ይ ክሳብ መበል 13 ሰሙን ዘለዉ ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ምትዕርራይ ተገይሩሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ 4ይ ክሳብ መበል 13 ሰሙን ኣብ ዘለዉ መርሃ ግብሪ ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ምትዕርራይ ከምዝተገበረ ማሕበር ኣክሲዮን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ 2017 ካብ 1ይ ክሳብ 3ይ ሰሙን መርሃግብሪ ፀወታታት ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ምስተኻዱ፤ ብምኽንያት መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ ሃገራዊት…

ኤርሊንግ ሃላንድ ልዑል መቑፀሪ ሸቶ ሃገራዊት ጋንታ ኖርዌይ ኮይኑ

ኣዲስ አበባ፣ ጥቅምት 1፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ተፃዋታይ ጋንታ ማንቸስተር ዩናይትድ ኖርዌያዊ ኤርሊንግ ሃላንድ ኣብ 36 ዓለም ለኸ ፀወታታት ብዘመዝገበን ሸቶታት ናይ ሃገሩ ልዑል መቑፀሪ ሸቶ ክኸውን ክኢሉ። ወዲ 24 ዓመት ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ትማሊ ምሸት ኣብ ፀወታ ኔሽንስ ሊግ ኣውሮፓ ሃገሩ ኖርዌይ ንስሎቫኒያ 3 ን 0 ኣብ ዝሰዓረትሉ ፀወታ ክልተ ሸቶታት ብምምዝጋብ…

ኣብ ሞሮኮ እትርከብ ጋንታ ኩዕሶ ኢድ መቐለ 70 እንደርታ ሎሚ ፈላማይ ፀወትኣ ክተካይድ እያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 45 ሻምፕዮንስ ሊግ ጋንታታት ኩዕሶ ኢድ ኣፍሪካ 2024 ንምስታፍ ኣብ ሞሮኮ ትርከብ ጋንታ ኩዕሶ ኢድ መቐለ 70 እንደርታ ሎሚ መዓንቲ ፈላማይ ፀወትኣ ክተካይድ እያ። 16 ጋንታታት ኩዕሶ ኢድ ኣብ ዝሳተፋሉ ኣህጉራዊ ውድድር ኣብ ምድብ ሓደ ምስ ጋንታታት ኣል ኣህሊ፣ ኢትዮል ዲ ኮንጎን ሴንተር ዲ ፎርሜሽን ስፖርቲቭ…

ኢትዮጵያ ኣብ ሻምፒዮና ብሽክለታ ኣፍሪካ  መበል ሳልሳይ ሜዳሊያ ነሓስ ረኺባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ኤልዶሬት ይካየድ ኣብ ዘሎ  ሻምፒዮና ብሽክለታ ኣፍሪካ መበል ሳልሳይ ሜዳሊያ ነሓስ ረኺባ። እቲ ውድድር ካብ ትማሊ ጀሚሩ ይካየድ ከምዘሎ ኣብ ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።