ስፓርት
ወልቂጤ ከተማ ንኣዳማ ከተማ ብምስዓር ዓወት ኣመዝጊባ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 30 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ወልቂጤ ከተማ ንኣዳማ ከተማ 1 ን 0 ብዝኾነ ውፅት ብምስዓር ዓወት ኣመዝጊባ፡፡
ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ሰዓት 9:00 ኣብ ዝተኻየደ ናይ መወዳእታ ሰሙን እቲ ሊግ÷ ኣዳነ በላይነህ ብዘመዝገባ ሸቶ ወልቂጤ ከተማ ሰለስተ ነጥቢ ሒሒ ወፂኣ።
Read More...
ኣብ ውድድር ኦሊምፒክ ፓሪስ ንኢትዮጵያ ዝውክሉ ናይ መወዳእታ ተሰለፍቲ ኣትሌታት ምስ ተጠባበቕቶም ተፈልዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ውድድር ኦሊምፒክ ፓሪስ 2024 ንኢትዮጵያ ዝውክሉ ናይ መወዳእታ ተሰለፍቲ ኣትሌታት ምስ ተጠባበቕቶም ከምዝተፈለዩ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ብመሰረት እዚ፡-
ብ800 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ፤ ኣትሌት ፅጌ ድጉማ፣ ኣትሌት ሃብታም ኣለሙ፣ ኣትሌት ወርቅነሽ መለሰ፣ ኣትሌት ንግስት ጌታቸው (ተጠባባቒት)
ብ1…
ንጋንታ ሃድያ ሆሳእና ንጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ስዒራታ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መወዳእታ ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ 2016 ጋንታ ሃድያ ሆሳእና ንኢትዮጵያ ቡና 2 ን 1 ስዒራ፡፡
ኢትዮጵያ ቡና ብኣንተነህ ተፈራ ሸቶ እናመርሐት ትፅናሕ እምበር÷ የኋላእሸት ሰለሞን ንሃዲያ ሆሳእና ብዘቑፀረኦም ክልተ ሸቶታት ስዕረት ኣተኣናጊዳ፡፡
ቅድም ኢሉ ኣብ ዝተኻየደ መበል 30 ሰሙን መርሃ-ግብሪ…
ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ሃዋሳ ከተማ ንወላይታ ድቻ ስዒራታ
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ ሃዋሳ ከተማ ንጋንታ ወላይታ ድቻ 2 ን 0 ብዝኾ ውፅኢት ብምስዓር ተዓዊታ።
ሃዋሳ ከተማ ዘተዓወተትለን ሸቶት ዓሊ ሱሌማን ኣብ መበል 3ደቒቕን 48 ደቒቕን ኣመዝጊቡወን፡፡
መበል 30 ናይ መወዳእታ ሰሙን መርሃ ግብሪ ፀወታ እቲ ሊግ እንትቕፅል÷ ሰዓት 10 ድሕሪ ቀትሪ ጋንታታት ሃድያ…
ኔዘርላንድስ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ፀወታ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ልዑል ግምት ተዋሂቡዋ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኔዘርላንድስ(ሆላንድ) ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝካየድ መበል 17 ፅዋዕ ኣውሮፓ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ልዑል ግምት ተዋሂቡዋ ኣሎ።
ኔዘርላንድስ ምስ ሮማንያ ኣብ ስታዲያም ኣሊያንዝ ኣሬና ሰዓት 1 ምሸት ፀወተአን ከካይዳ ኢየን።
ምሸት ሰዓት 4 ድማ ኦስትሪያ ምስ ቱርኪ ኣብ ስታዲያም ሬድቡል ኣሬና ከምዝጋጠመ እቲ ዝወፅአ…
ሎሚመዓልቲ ኣብ ዝካየዱ ፀወታታት ኣውዲቅኻ ምሕላፍ ልዑል ትፅቢት ዝግበረሎም ግጥማት ክካየዱ እዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ ምሸት ኣብ ዝካየድ መበል 17 ፅዋዕ ኣውሮፓ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ክልተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም።
ኣብቶም ሎሚመዓልቲ ዝካየዱ ፀወታታት ኣውዲቅኻ ምሕላፍ ልዑል ትፅቢት ዝግበረሎም ክልተ ግጥማት ክካየዱ እዮም።
ብመሰረት እዚ ምሸት ሰዓት 1 ኣብ ዝካየድ ፀወታ ፈረንሳይ ምስ ቤልጅየም ክትጋጠም ኢያ።
ምሸት ሰዓት 4 ኣብ…
ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ መቻል ንኣዳማ ከተማን 3 ን 0 ስዒራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ መቻል ንኣዳማ ከተማን 3 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ናይ ፅዋዕ ንሕንሓ ኣጠናኺራ፡፡
መቻል ዝተዓወተትለን ሸቶታት ሽመልስ በቀለ፣ ኣህመድ ረሺድ (ኣብ ናይ ባዕሉ ሸቶ)ን በረከት ደስታን ኣመዝጊቦምወን፡፡