ስፓርት
ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታታት ኢትዮጵያ ንግድ ባንክን ወልቂጤ ከተማን ተዓዊተን
ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታታት ኢትዮጵያ ንግድ ባንክን ወልቂጤ ከተማን ተጋጠምተን ብምስዓር ዓወት ኣመዝጊበን።
ኣብ መበል 29 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ሰዓት 9፡00 ክልተ ፀወታታት ተኻይዶም፡፡
ብመሰረት እዚ ድማ ኢትዮጵያ ንግድ ባንክ ንሻሸመኔ ከተማ 2 ን 0 ብምስዓር መሪሕነታ ኣጠናኺራ፡፡
ኢትዮጵያ ንግድ ባንክ ንኽትዕወት ኣዲስ ግደይን ሱሌማን ሃሚድን እተን ሸቶታት ኣመዝጊቦምወን፡፡
ብተመሳሳሊ ወልቂጤ ከተማ ንሃምበሪቾ 2 ን 0 እንትትስዕር÷ እተን…
Read More...
“መቻል ን ኢትዮጵያ” ውድድር ጉያ 10 ኪሎ ሜትሮ ጎደና ፅባሕ ክካየድ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)"መቻል ን ኢትዮጵያ" ውድድር ጉያ 10 ኪሎ ሜትሮ ጎደና ፅባሕ ክካየድ ኢዩ።
እቲ ጉያ መበል 80 ዓመት በዓል ምስረታ ጋንታ ስፖርት መቻል ምኽኒያት ብምግባር ኢዩ ክካየድ።
መበገሲን መብሕን መስቀል ኣደባባይ ኣብ ዝገብር እቲ ውድድር ብዙሓት ከምዝሳተፉ ተገሊፁ።
ብመሰረት እዚ ኣትሌታት፣ ናይ መቻል…
ኢትዮጵያ መድን ንሃድያ ሆሳእና ስዒራ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሰነ፣ 2016 (ኤፍቢ ሲ)ኣብ 29 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ ኢትዮጵያ መድን ንሃድያ ሆሳእና 1 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራ፡፡
ብሕታዊት ሸቶ ኢትዮጵያ መድን ወገኔ ገዛሀኝ ኣብ ድሕሪ ዕረፍቲ ኣመዝጊቡዋ፡፡
ንልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣፍልጦን ሽልማትን ይወሃብ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 23 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ንዝተሳተፈ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣብ ግዮን ሆቴል ኣፍልጦን ሽልማትን ይወሃብ ኣሎ።
ኣብ ካሜሩን ዱዋላ ኣብ ዝተኻየደ 23 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ዝተኻፈለ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ÷ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እንትበፅሕ ኣቀባብላ ከምዝተገበረሉ ይፍለጥ፡፡
ሎሚ…
ነበር ኮኾብ ተፃዋታይ ማንችስተር ዩናይትድ ሉዊስ ናኒ ናብ ኢትዮጵያ ክመፅእ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ኮኾብ ተፃዋታይ ማንችስተር ዩናይትድን ብሄራዊ ጋንታ ፖርቺጋልን ሉዊስ ናኒ ኣብ መበል 80 ዓመት ምስረታ ጋንታ ስፖርት መቻል ብኽብሪ ጋሻ ንምርካብ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝመፅእ ቦርድ እቲ ጋንታ ኣፍሊጡ።
ናኒ ዘጣየሾ ኣካዳሚ ስፖርት ምስ መቻል ስምምዕነት ምትሕብባር ከመዝኽትም እውን ተገሊፁ።
ቦርድ ጋንታ ስፖርት መቻል…
ድልድል ምድብ 16 ሃገራት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ፅዋዕ ኣውሮፓ ዕላዊ ኮይኑ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ድልድል ምድብ 16 ሃገራት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ፅዋዕ ኣውሮፓ ዕላዊ ኮይኑ።
ብመሰረት እዚ፦
ኣሰናዳኢት ጀርመን ምዴንማርክ፣ ስዊዘርላንድ ምስ ጣሊያን፣ እንግሊዝ ምስ ስሎቫኪያ፣ ስፔን ምስ ጆርጂያ ተደልዲለን።
ብተመሳሳሊ ፈረንሳይ ምስ ቤልጂየም፣ ፖርቹጋል ምስ ስሎቪኒያ፣ ሮማኒያ ምስ ኔዘርላንድስ፣ ኦስትሪያ ምስ ቱርክ ኣብ…
ኢትዮጵያ ብ3 ሺሕ ሜትር መሕንኩሎ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ ሜዳሊያ ብሩር ረኺባ
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ካሜሩን ዱዋላ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 3 ሺሕ ሜትሮ መሕንኩሎ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ኣለምናት ዋለ ካልኣይ ወፂኣ፡፡
ኣብቲ ውድድር ዝተሳተፈት ኣትሌት መሰረት የሻነህ ራብዐይቲ ብምውፃእ ውድድራ ዛዚማ፡፡
ኢትዮጵያ ሓዊሱ ብዙሓት ሃገራት ትፅቢት ዝግበራሎም መዛዘሚ ውድድራት መበል 23 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ…