ስፓርት

ስፓርት

ኢትዮጵያ ኣብ ውድድር ፓራሊምፒክ 3 ሜዳሊያታት ብምርካብ ተሳትፎኣ ዛዚማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፈረንሳይ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደ መበል 17 ውድድራት ፓራሊምፒክ ኢትዮጵያ 2 ወርቂን 1 ብሩርን ሜዳሊያታት ብምርካብ ተሳትፎኣ ዛዚማ። ብመሰረት እዚ ኣትሌት ትእግስት ገዛሀኝ ብ1 ሺሕነ 500 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ዋግዋጎ (T-13)ን ያየሽ ጌቴ ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ዓይነ ስዉራት ደቀአ ኣንስትዮ (T-11)ን ሚያዲያ ወርቂ ንሃገረን ኣምፂን፡፡ ብተመሳሳሊ ኣትሌት ይታያል ስለሺ ብ1 ሺሕን 500 ደቂ ተባዕትዮ ዓይነ ስውር ዋግዋጎ (T-11) ሜዳሊያ ብሩር ከምፅእ ክኢሉ፡፡ ብሓፈሻ ኣብቲ…
Read More...

ኣትሌት ይታያል ስለሺ ንኢትዮጵያ ሜዳሊያ ብሩር ኣምፂኡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ይታያል ስለሺ ኣብ መበል 17 ውድድራት ፓራሊምፒክ ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ ዓይነ ስውር ጩራ (T-11) ንኢትዮጵያ ሜዳሊያ ብሩር ኣምፂኡ። እቲ ኣትሌት ነቲ ርሕቐት 4 ደቒቕ 23 ሰከንድን 21 ማይክሮ ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምዝዛም ካልኣይ ደረጃ ከምዝወፅ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ሉዊስ ሱዋሬዝ ካብ ዝቕፅል ቀዳም ዝካየድ ፀወታ ንደሓር ንባዕሉ ካብ ሃገራዊት ጋንትኡ ከምዘግልል ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኡራጋዊ ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ሉዊስ ሱዋሬዝ ካብ ዝቕፅል ቀዳም ዝካየድ ፀወታ ንደሓር ንባዕሉ ካብ ሃገራዊት ጋንትኡ ከምዘግልል ኣፍሊጡ። ወዲ 37 ዓመት ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ሱዋሬዝ÷ ሃገሩ ኣብ ዝቕፅል ቀዳም ኣብ መፃረዪ ፅዋዕ ዓለም ምስ ፓራጓይ ትገብሮ ፀወታ ናይ መወዳእታ ፀወታኡ ከምዝኸውን ገሊፁ፡፡ ንሃገራዊት…

ኣትሌት ያየሽ ጌቴ ክብረወሰን ብምምሕያሽ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 17 ውድድር ፓራሊምፒክ ኣትሌት ያየሽ ጌቴ ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ዓይነ ስውራት ደቂ ኣንስትዮ (T-11) ክብረ ወሰን ብምምሕያሽ ተዓዊታ፡፡ እታ ኣትሌት ቅድም ክብል 4 ደቒቕ 27 ሰከንድን 68 ማይክሮ ሰከንድን ባዕላ ሒዛቶ ዝነበረት ክብረ ወሰን ዓለም ኣርባዕተ ሰከንድ ብምምሕያሽ ቀዳመይቲ ክትወፅእ ክኢላ።…

ሞሓመድ ሳላህ ኣብ መወዳእታ እዚ ውድድር ዓመት ካብ ጋንታ ሊቨርፑል ከምዝለቅቅ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ጋንታ ሊቨርፑል ሞሓመድ ሳላህ ኣብ መወዳእታ ዓመት ውድድር ዘበን 2024/2025 ካብታ ጋንታ ከምዝለቅቕ ኣፍሊጡ፡፡ ትማሊ ጋንታ ሊቨርፑል ድሕሪ ኣብ ልዕሊ ታሪኻዊት ተናሓናሒታ ማንቼስተር ዩናይትድ ዝተጎናፈቶ ዓወት ንስካይ ስፖርት ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ÷ “ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ካብ ሊቨርፑል ክለቅቕ ኢየ፤…

ትፅቢት ዝተገበረሉ ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ብዓወት ጋንታ ሊቨርፑል ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ጋንታታት ማንቸስተር ዩናይትድን ሊቨርፑልን ዝተኻየደ ፀወታ ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ብዓወት ጋንታ ሊቨርፑል 3 ን 0 ተዛዚሙ። ትፅቢት ዝተገበረሉ ፀወታ እዚ ሰሙን ካብ ሰዓት 12፡00 ጀሚሩ ኣብ ስታዲየም ኦልርታራፎርድ ዝተኻየደ እንትኸውን÷ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ ሜዳኣን ኣብ ቅድሚ ደገፍታን ስዕረት…

ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኒውካስል እንትትዕወት ቸልሲ ማዕረ ተፈላሊያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበላ ሳልሳይ ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየርሊግ እንግሊዝ ኒውካስል ንቶተንሃም እንትትስዕር ቸልሲን ክሪስታል ፓላስን ማዕረ ተፈላሊየን፡፡ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 9፡30 ኣብ ዝተኻዱ ፀወታታት÷ ኒውካስል ዩናይትድ ምስ ቶተንሃም ኣብ ዝገበረኦ ፀወታ ብዓወት ጋንታ ኒውካስል ዩናይትድ 2 ን 1 ተዛዚሙ፡፡ ሸቶታት ኒውካስል ሃርቤ ባርነስን…