ስፓርት

ስፓርት

ኣትሌት ሱቱሜ ከበደ ኣብ ኮልካታ ውድድር 25 ኪሎ ሜትር ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ሱቱሜ ከበደ ኣብ ህንዲ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 25 ኪሎ ሜትሮ ኮልኮታ ቀዳመይቲ ብምውፃእ ተዓዊታ። እታ ኣትሌት ነቲ ውድድር 1፡19፡17 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ቀዳመይቲ ወፂኣ። ንኣትሌት ሱቱሜን ስዒባ ኬንያዊት ኣትሌት ቼፕንግኖ ካልአይቲ ብምውፃእ እንትትዛዝም፤ ባህሬናዊት ኣትሌት ጂሳ ድሞ ሳልሰይቲ ወፂኣ።
Read More...

ኣትሌት ንብረት መላክ ኣብ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ባንግሴን ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣትሌት ንብረት መላክ ኣብ ታይላንድ ቾን ቡሪ ዝተኻየደ ውድድር ፍርቂ ማራቶን ባንግሴን ባንግሴን ተዓዊቱ፡፡ ኣትሌት ንብረት ነቲ ርሕቐት 1 ሰዓት 2 ደቒቕን 32 ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምዝዛም ኢዩ ቀዳማይ ክወፅእ ክኢሉ፡፡

ደርቢ ማንቹሪያን ሎሚ መዓልቲ ምሸት ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 16 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ጋንታታት ከተማ ማንቼስተር ዝኾና ማንቼስተር ሲቲን ማንቼስተር ዩናይትድን ዘካይደኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡ እቲ ፀወታ ምሸት ሰዓትን 1፡30 ኣብ ስታዲየም ኢቲሃድ ዝካየድ እንትኸውን÷ ብወገን ማንቼስተር ሲቲ ሪኮ ሊዊስ ብቅፅዓት ከምኡ እውን ሮድሪ፣ ናታን ኣኬ፣ ጆን…

ሎሚ ኣብ ዝሳለጥ ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ 5 ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ሎሚ ኣብ ዝሳለጥ መበል 16 ሰሙን ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ 5 ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም። ኣርሰናል ምስ ኤቨርተን፣  ሊቨርፑል ምስ ፉልሃም ሰዓት 12፡00 ምሸት ዘካይድኦ ፀወታ ቀልቢ ደገፍቲ ኩዕሶ እግሪ ዘንጠልጠለ ኮይኑ ኣሎ። ኒውካስትል ምስ ሌስተር ሰቲ፣ ዎልቭስ ምስ ኤፕስዊች እውን ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ፀወተአን…

ናይ መወዳእታ ሓሙሽተ ሕፁያት ብሉፃት ተፃወትቲ ኣፍሪካ 2024 ዕላዊ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ናይ መወዳእታ ዝርዝር ሓሙሽተ ሕፁያት ብሉፃት ተፃወትቲ ኣፍሪካ 2024 ዕላዊ ተገይሩ፡፡ ተፃዋታይ ጋንታ ብራይተን ሆቭ ኣልቢዮን ኮትዲቯራዊ ሲሞን ኣዲንግራ ካብ ሞንጎ እቶም ሕፁያት ሓደ ኢዩ፡፡ እቲ ተፃዋቲ ሃገሩ ኮትዲቯር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥሪ ኣሰናዲኣ ኣብ ዝተዓወተቶ ፅዋዕ ኣፍሪካ ዘደንቕ ብቕዓቱ ከምዘርአየ…

ስዑዲ ዓረብ ንፅዋዕ ዋንጫ ዓለም 2034 ዓ.ም.ፈ 5 ትሪሊየን ዶላር ሰሊዓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ስዑዲ ዓረብ ኣብ 2034 ዓ.ም.ፈ ንእተሰናድኦ ፅዋዕ ዋንጫ ዓለም 5 ትሪሊየን ዶላር ባጀት ከምዝሰለዐት ገሊፃ። ነቲ ውድድር 10 ዓመታት ናይ ምድላው እዋን ዘለዋ እታ ሃገር ካብ ብሐዚኣ ብዙሓት ተግባራት ትዓይይ ከምዘላ ኣፍሊጣ። ካብ መንጎ እቶም ተግባራት ነቲ ሓፈሻዊ ምድላው ዝመርሕ ልዑል ኮሚሽን ምጥያሽ ከምዝኾነ…

ስዑድ ዓረብ ፅዋዕ ዓለም 2034 ንኽተሰናድእ ተሓሪያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ስዑድ ዓረብ ፅዋዕ ዓለም 2034 ንኽተሰናድእ ከምዝተሓረየት ላዕለዋይ ሓላዊ ዓለም ለኸ ማሐበር ኩዕሾ እግሪ (ፊፋ) ኣፍሊጡ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ፅዋዕ ዓለም 2030 ሰሜን ኣፍሪካዊት ሞሮኮ፣ ስፔንን ፖርቹጋልን ብሓባር ከምዘሰናድአኦ ተገሊፁ፡፡ መበል 100 ዓመት እቲ ውድድር ምኽንያት ብምግባር ድማ ሰለስተ ፀወታታት ኣብ…