ስፓርት

ስፓርት

መበል 27 ሰሙን መር ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ የሎሚ መዓልቲ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ዝነበራ መፃረዪ ፅዋዕ ዓለም ተቋሪፁ ዝነበረ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ መበል 27 ሰሙን መርሃ ግብሪ ሎሚ መዓል ናብ ውድድር ክምለስ ኢዩ። መሪሕ እቲ ሊግ ጋንታ ኢትዮጵያ ንግድ ባንክ ምስ ጋንታ ባህርዳር ከተማ ቀትሪ ሰዓት 9 ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ክራኸባ ኢየን። ምሸት ሰዓት 12 ድማ ጋንታታት ወልቂጤ ከተማን ኢትዮጵያ ቡናን ፀወተአን ክገብራ ኢየን፡፡ መበል 27 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፅበሕ እውን ቀፂሉ ዝካየድ እንትኸውን ፋሲል ከነማ ምስ መቻል ቀትሪ…
Read More...

ኤንዞ ማሬስካ ኣሰልጣኒ ጋንታ ቼልሲ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ወዲ 44 ዓመት ጣልያናዊ ኣሰልጣኒ ኤንዞ ማሬስካ ንጋንታ ቼልሲ ብዋና ኣሰልጣንነት ንምምራሕ ብዕሊ ክታሙ ኣንቢሩ፡፡ ካብታ ጋንታ ንዝተሰናበተ ኣሰልጣኒ ሞሪሲዮ ፖቼቲኖ ብምትካእ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ክሳብ 2029 ነታ ጋንታ ንምስልጣን ዝፈረመ ማሬስካ÷ ቸልሲ ንዝውውር 10 ሚሊየን ዩሮ ከምትኸፍል ተገሊፁ፡፡ ምስዝውውር…

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ንመፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ዓለም ናብ ጊኒ ቢሳው ኣምሪሓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ጊኒ ቢሳው ትገብሮ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ዓለም ንምግባር ናብ ከተማ ቢሳው ኣምሪሓ። 23 ተፃወትቲ ዘካተተ ጉጅለ ልኡኽ ካብ ኣዲስ ኣበባ ብቶጎ (ሎሜ) ኣቢሉ ሎሚ መዓልቲ ምሸት ኣብ ከተማ ቢሳው ከከምዝበፅሕ ካብ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡ እታ…

ብ3 ሺሕ ሜትሮ መሕንኩሎ ኣትሌት ለሜቻ ግርማ ቅልጡፍ ሰዓት ዓለም እዚ ዓመት ብምምዝጋብ ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ስዊድን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ዳይመንድ ሊግ 3 ሺሕ ሜትሮ መሕንኩሎ ወናኒ ክብረ ወሰን ዓለም ኣትሌት ለሜቻ ግርማ ቅልጡፍ ሰዓት እዚ ዓመት ብምምዝጋብ ተዓዊቱ። ብመሰረት እዚ ብ3 ሺሕ ሜትሮ መሕንኩሎ ደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ለሜቻ ግርማ 8 ደቒቕ 1 ሰከንድን 63 ማይክሮ ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው እንትዕወት÷ ሳሙኤል…

ኣብ ማድሪድ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ጎደና 10 ኪሎ ሜትሮ ዳዊት ወልዴ እንትዕወት ጥሩነሽ ዲባባ 3ይቲ ወፂኣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ስፔን ከተማ ማድሪድ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ጎደና 10 ኪሎ ሜትሮ ኣትሌት ዳዊት ወልዴ እንትዕወት ኣትሌት ውርይቲ ጥሩነሽ ዲባባ 3ይቲ ወፂኣ። ጥሩነሽ ዲባባ እቲ 10 ኪሎ ሜትሮ ብ30 ደቒቕ 03 ሰከንድ ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው 3ይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚማ፡፡ ብደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር 10 ኪሎ ሜትሮ ድማ ዳዊት…

ኬልያን ኤምባፔ ሪያል ናብ ጋንታ ሪያል ማድሪድ ብዕሊ ተፀምቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፈረንሳዊ ተፃታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ኬልያን ኤምባፔ ብናነፃ ዝውውር ናብ ጋንታ ሪያል ማድሪድ ብዕሊ ተፀምቢሩ፡፡ ምስ ፈረንሳዊት ጋንታ ፓሪስ ሴን ዠርሜ (ፒ ኤ ሲ ጂ) ዝነበሮ ውዕሊ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 30 ሰነ 2024 ዝዛዘም ኤምባፔ÷ ብሓሙሽተ ዓመት ኩንትራት ኢዩ ሻምፒዮና ቻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓን ላሊጋን ናብ ዝኾነት…

ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት ብውድድር ጒያ 5 ሺሕ ሜትሮ ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ሓጎስ ገብረህይወት ብውድድር ጒያ ዳይመንድ ሊግ 5 ሺሕ ሜትሮ ተዓዊቱ። ኣብቲ ውድድር  12፡36፡73 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ኢዩ ተዓዊቱ። ኣትሌት ሓጎስ፥ ኣብ ታሪክ ናይ ኩሉ ግዘ ካልኣይ ቅልጡፍ ሰዓት ምምዝጋቡ ኣብ ኣትሌቲክስ ዓለም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦ ቴሌግራም…