ስፓርት

ስፓርት

ፀወታ ማንችስተር ሲቲን ሊቨርፑልን ብማዕረ ውፅኢት ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 13 ሰሙን ግጥማት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ጋንታታት ማንችስተር ሲቲን ሊቨርፑልን ብማዕረ ውፅኢት ተፈላሊየን። ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ሜድኣ ንሊቨርፑል ኣብ ዘተኣናገደትሉ ፀወታ፥ ኤርሊንግ ሃላንድ ኣብ መበል 27 ደቒቓ ብዘቑፀራ ሸቶ  ማንቸስተር ሲቲ ክትመርሕ ክኢላ ኢያ። ይኹን እንበር ትሬንት ኣሌክሳንደር ኣርኖልድ ድሕሪ ዕረፍቲ ኣብ መበል 80 ደቒቓ ብዘቑፀራ ብሕታዊት ሸቶ ክልቲአን ጋንታታት ብማዕረ ውፅኢት ሓደ ንሓደ ክፈላለያ ክኢለን። እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦ ቴሌግራም…
Read More...

ኣብ ከተማ መቐለ መበል 19 ዙር ውድድር ሪለይ ማራቶን ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ መቐለ መበል 19 ዙር ውድድር ሪለይ ማራቶን ይሳለጥ ኣሎ። እቲ ሃገራዊ ውድድር፥ ካብ ኩለን ክልላት፣ ምምሕዳራት ከተማን ክለባትን ኢትዮጵያ ዝተወከሉ ብዓለምለኸ መዓቐንታት ዳያኑ ዝተሓረዩ 84 ኣትሌታት ምዝሳተፉ ተገሊፁ። 5፣ 7ን 10ን ኪሎሜትሮ ዝሸፈነ ርሕቐት ብኽልቲኡ ፆታ ውድድር ከምዝካየድ ድማ ተሓቢሩ።…

መበል 13 ሰሙን ግጥማት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ 10 ፀወታታት ክእንግድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 13 ሰሙን ግጥማት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣብዚ ሰሙን 10 ፀወታታት ክእንግድ እዩ። ብመሰረት እዚ ንሰሌዳ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ዝመርሓ ዘለዋ ጋንታታት ማንችስተር ሲቲን ሊቨርፑልን ሎሚ መዓልቲ ክጋጠማ እየን። ማንቸስተር ሲቲ ኣብ ሜድኣ ንሊቨርፑል ኣብ እተእንግደሉ ፀወታ፥ ማንችስተር ሲቲ ክትዕወት ትኽእል ኢያ…

ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ብ5 ሺሕ ሜትሮ ዘመዝገበቶ ክብረወሰን ፀዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ኣብ ውድድር ጉያ 5 ሺሕ ሜትሮ ዘመዝገበቶ ክብረወሰን ፀዲቑ። ኣብ ኣሜሪካ ኢውጅን ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ዳይመንድ ሊግ ኣትሌት ጉዳፍ ነቲ ርሕቕት ብ14 ደቒቓ 00 ሰከንድን 21 ማይክሮ ሰከንድን ብምዝዛም ክብረወሰን ዓለም ምምዝጋባ ይዝከር። ብመሰረት እዚ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ብ5 ሺሕ ሜትሮ ዘመዝገበቶ…

ሃድያ ሆሳእና ተዓዋቲት ፅዋዕ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኮይና

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ሃድያ ሆሳእና ንጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ብመፍለዪ ፍፁም ቅላዕ ብምስዓር ተዓዋቲት መበል 17 ፅዋዕ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኮይና። ሃድያ ሆሳእናን ኢትዮጵያ ቡናን ዘራኸበ ፀወታ ፅዋዕ ከተማ ኣዲስ ኣበባ÷ ኣብ ስሩዕ ሰዓት 2 ማዕረ ዝተዛዘመ እንትኸውን ብዝተውሃበ መፍለዪ ፍፁም ቅላዕ ሃዲያ ሆሳእና 5 ን 4 ስዒራ፡፡ ብምዃኑ…

ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣነስትዮ ኢትዮጵያ ንማሊ ብበፂሕኻ መልሲ 6 ን 0 ስዒራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ትሕቲ 20 ዓመት ደቂ ኣነስትዮ ኢትዮጵያ ንማሊ መዘነኣ ብበፂሕኻ መልሲ 6 ን 0 ስዒራ። ሃገራዊት ጋንታ ትሕቲ 20 ዓመት ደቂ ኣነስትዮ ኢትዮጵያ ኣብ 3ይ ዙር መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ዓለም ናይ መልሲ ፀወታኣ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስታዲየም ኣበበ ቢቂላ ኣካይዳ፡፡ 9 ሰዓት ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ÷ ሃገራዊት ጋንታ…

መበል 23 ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) መበል 23 ውድድር ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ተኻይዱ፡፡ ኣብ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ውድድር፥ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴን ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤን ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓታት ተረኺቦም፡፡ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤን ኣብቲ እዋን ከም ዝበለኦ÷ ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ድምቀት፣ መግለፂ ሓድነትን ፍቕሪን እታ ከተማ…