ስፓርት

ስፓርት

ኣብ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ፅዋዕ ኣፍሪካ ናይጄሪያ ምስ ደቡብ ኣፍሪካ ከምኡ እውን ኮትዲቯር ምስ ዴሞክራቲክ ኮንጎ ክራኸባ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ መበል 34 ኣብ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ፅዋዕ ኣፍሪካ ናይጄሪያ ምስ ደቡብ ኣፍሪካ ከምኡ እውን ኮትዲቯር ምስ ዴሞክራቲክ ኮንጎ ሎሚ ምሸት ክራኸባ ኢየን። ናይጄሪያ ምስ ደቡብ ኣፍሪካ ንፍፃመ ንምሕላፍ ዝገብረኦ ፀወታ ምሸት 2 ሰዓት ኣብ ስታድ ዲ ላ ፔይክስ ኣቢጃን ክካየድ ኢዩ፡፡ ክልቲአን ሃገራዊ ጋንታታት ኣብ ታሪኽ ፍርቂ ፍፃመ ን4ይ ግዘ ዝተራኸባ እንትኾና÷ ዝሓለፉ ሰለስተ ፀወታታት ፍርቂ ፍፃመ ባዓወት ሃገራዊት ጋንታ ናይጄሪያ ዝተዛዘሙ ኢዮም፡፡ ኣብ ታሪኽ ውድድር…
Read More...

ኣብ ቦስተን ውድድር ውሽጢ ገዛ ኒው ባላንስ ጉዳፍ ፀጋይን ለሜቻ ግርማን ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቦስተን ውድድር ውሽጢ ገዛ ኒው ባላንስ ጉዳፍ ፀጋይን ለሜቻ ግርማን ተዓዊቶም። ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ዝተወዳደረት ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ÷ ነቲ ርሕቐት ብ3 ደቒቕ 58 ሰከንድን 11 ማይክሮ ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምዝዛም ቀዳመይቲ ብምዃን ተዓዊታ፡፡ ኣብቲ ርሕቐት ጓል 18 ዓመት ኣትሌት ብርቄ ሓየሎም 3 ደቒቕ 58…

መበል 53 ሻምፒ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ሎሚ ክዛዘም ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2016 ( ኤፍ ቢ ሲ)ካብ 21 ጥሪ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ንተኸታተልቲ ሽዱሽተ መዓልቲታት እናተኻየደ ዝፀንሐ መበል 53 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ሎሚ ክዛዘም ኢዩ። ኣብቲ ሻምፒዮና፥ ኣብ ካሜሮን ዝካየድ መበል 23 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካን ኣብ ጋና ኣክራ ዝካየድ ውድድር መላእ ኣፍሪካ ከምኡ እውን ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ ዝሳተፉ ኣትሌታት…

ፀወታታት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ርብዒ ፍፃመ ፅዋዕ ኣፍሪካ ሎሚ ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፀወታታት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ርብዒ ፍፃመ መበል 34 ፅዋዕ ኣፍሪካ ሎሚ ክካየዱ ኢዮም። ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ዝካየድ ፀወታታት፥ ናይጄሪያ ምስ ኣንጎላ፣ ዲሞክራቲክ ኮንጎ ምስ ጊኒ ክራኸባ ኢየን። ናይጄሪያ ምስ ኣንጎላ ሰዓት 2፡00 ምሸት ኣብ ስታዲየም ፌኪክስ ሆፌት ኣቢጃን ዝካየድ እንትኸውን፥ ሰዓት 5፡00 ድማ ዲሞክራቲክ ኮንጎ…

ኣቤል ያለው ናብ ግብፃዊት ጋንታ ዜድ ኤፍ ሲ ተፀምቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣቤል ያለው ናብ ግብፃዊት ጋንታ ዜድ ኤፍ ሲ ከምዝተፀምበረ ጋንትኡ ኣፍሊጣ። ካብ ታሕተዋይ ሊግ ብምዕባይ ንፕሪሚየር ሊግ ግብፂ እናመርሐት ትርከብ ጋንታ ዜድ ኤፍ ሲ÷ ንኣቤል ያለው ንምፍራም ምንቅስቓስ እናገበረት ፀኒሓ ነይራ፡፡ ምስ ጋንት ቅዱስ ጊዮርጊስ ዝተረፈ ሓደ ዓመት…

ሃገር ለኸ ቅብብል ሽግ ፓሪስ ኦሎምፒክ 2024 ኣብ መቐለ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2024 ዝካየድ ፓሪስ ኦሎምፒክ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ሃገር ለኸ ቅብብል ሽግ ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ መጀመሪ÷ ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ሓጋዚት ኮሚሽነር ኣትሌት ደራርቱ ቱሉን ካልኦት ኣመራርሓታትን ተረኺቦም። ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሓምለ 2016 ዓ.ም ንዝካየድ…

ኣትሌት ሳሙኤል ተፈራ ኣብ ኣስታና ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሻምፒዮና 3 ሺሕ ሜትሮ ውሽጢ ገዛ ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ሳሙኤል ተፈራ ኣብ ካዛኪስታን፣ ኣስታና ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሻምፒዮና 3 ሺሕ ሜትሮ ውሽጢ ገዛ ናይዚ ዓመት ቅልጡፍ ሰዓት ብምምዝጋብ ተዓዊቱ። እቲ ኣትሌት ነቲ ውድድር ብ7 ደቒቓን 33 ሴኮንድን 85 ማይክሮ ሴኮንድን ብምእታው ከምዝተዓወተ ኣብ ኣትሌቲክስ ዓለም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ። እዋናዊ…