ስፓርት

ስፓርት

ጋንታ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ መፃረዪ ቻምፒየንስ ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ምብራቕ ኣፍሪካ 2ይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ መፃረዪ ቻምፒየንስ ሊግ ምብራቕ ኣፍሪካ 2ይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚማ። ኣብ ፍፃመ እቲ ውድድር ምስ ታንዛኒያዊት ጋንታ ጀኬቲ ኩዊንስ ዝገጠመት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ÷ ስሩዕ ፀወታኣ ብማዕረ ውፅኢት ምዝዛሙ ስዒቡ ናብ ፍፁም ቅላዕ ኣምሪሐን፡፡ ብምዃኑ ጋንታ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ 5 ን 4 ተሳዒራ ፅዋዕ ስኢና፡፡ ነዚ ስዒቡ ንኢትዮጵያ ዝወከለት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ውድድር ካልኣይ ደረጃ ብመሓዝ ክትዛዝም ክኢላ፡፡ እቲ ውፅኢት…
Read More...

ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ዝተሳተፈ ጉጅለ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣዲስ ኣበባ እንትኣቱ ኣቀባብላ ተገይሩሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቡዳ ፔስት ዝተኻየደ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ዝተሳተፈ ጉጅለ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ። እቲ ልኡኽ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሕ ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ቀጀላ መርዳሳ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓ እቲ ሚኒስቴር ኣቀባብላ ገይሮሙሉ፡፡ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሆቴል…

ኣብ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ንዝተሳተፈ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ፅባሕ ኣቀባብላ ክግበረሉ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ንዝተሳተፈ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ፅባሕ ኣቀባብላ ከምዝግበረሉ ሚኒስቴር ባህሊን ስፖርትን ኣፍሊጡ። ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ቀጄላ መርዳሳ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ኣብ ሃንጋሪ ቡዳፔስት ዝተኻየደ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኢትዮጵያ ፅቡቕ ውፅኢት ዝረኸበትሉ ኢዩ። ኣብቲ…

ኢትዮጵያ ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም 6ይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሃንጋሪ ቡዳፔስት ዝተኻየደ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኢትዮጵያ ካብ ዓለም 6ይ ካብ ኣፍሪካ 2ይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚማ። ኣብ ቡዳፔስት ስታዲየም ናሽናል ኣትሌቲክስ ሴንተር ካብ 13 ነሓሰ 2015 ጀሚሩ እናተኻየደ ዝቐነየ ሻምፒዮና ትማሊ ምሸት ተዛዚሙ። ኢትዮጵያ ኣብቲ ሻምፒዮና 2 ወርቂ፣ 4 ብሩርን 3 ነሓስም…

ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣብ ኣፍሪካ ሻምፒየንስ ሊግ  ናብ ቀፃሊ ዙር ሓሊፋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ ንጋንታ ኩዕሾ እግሪ ዛንዚባር ኬ ኤም ኤም ብበፂሕኻ መልሲ ብምስዓር ናብ ቀፃሊ ዙር ሓሊፋ፡፡ ካብ ሜዳኣ ወፃእ 2 ን1 ብምስዓር ዝተመሰት ጋንታ ቅዱስ ጊዮርጊስ÷ ናይ መልሲ ፀወታ ሎሚ ሰዓት 10 ኣብ ስታዲየም ኣበበ ቢቂላ ኣካይዳ፡፡ ኣብቲ ጨወታ ቅዱስ ጊዮርጊስ እናተመርሐት ፀኒሓ ብሸቶታት ዳዊት…

ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ሎሚ ክዛዘመ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሃንጋሪ ቡዳፔስት ንሓደ ሰሙን እነተኻየደ ዝቐነየ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ሎሚ መዓልቲ ምሸት ክዛዘመ ኢዩ። ምሸት ሰዓት 3፡10 ኣብ ዝካየድ ውድድር ጉያ ፍፃመ ደቂ ተባዕትዮ 5 ሺሕ ሜትር÷ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዮሚፍ ቀጄልቻ፣ በሪሁ ኣረጋዊን ሓጎስ ገብረሕይወትን ትፅቢት ይግበረሎም፡፡ ምሸት ሰዓት…

ኢትዮጵያ ኣብ ማራቶን ደቂ ተባዕትዮ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ሜዳሊያ ነሓስ ረኺባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሃንጋሪ ቡዳፔስት እናተኻየደ ዝርከብ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኣብ ማራቶን ደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ልኡል ገ/ስላሴ ንሃገሩ ሜዳሊያ ነሓስ ኣምፂኡ። ኣብቲ ውድድር ዩጋንዳዊ ኣትሌት ቪክቶር ኪፕላጋት ሜዳሊያ ወርቂ ዓቲሩ። እቲ ውፅኢት ስዒቡ ኢትዮጵያ ኣብቲ ሻምፒዮና ዘለዋ ቁፅሪ ሜዳሊያኣ ናብ ትሽዓተ ክብ ክተብል…