ስፓርት

ስፓርት

ኣብ ማራቶን ሮተርዳም ኣትሌት ኣሼቴ በከሬ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኔዘርላንድስ ማራቶን ሮተርዳም ኣትሌት ኣሼቴ በከሬ ተዓዊታ። እታ ኣትሌት 2 ሰዓት 19 ደቒቕን 30 ሴከንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ኢያ ነቲ ውድድር ቀዳመይቲ ብምዃን ተዓዊታ፡፡ ኬንያውያን ቮይላ ኪቢዮትን ሴሊ ኪፔይጎን ካልአይቲን ሳልሰይቲን ብመሓዝ ውድድረን ዛዚመን፡፡ ኣብ መዳይ ደቂ ተባዕትዮ ኣምደወርቅ ዋለልኝ 2 ሰዓት 4 ደቒቕን 45 ሴኮንድን ብምእታው ካልኣይ ደረጃ እንትሕዝ÷ ኣትሌት ብርሃኑ ለገሰ ድማ 2 ሰዓት 5 ደቒቕን 16 ሴከንድን ብምእታው ሳልሳይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚሙ፡፡…
Read More...

ተተካእቲ ስፖርተኛታት ንምፍጣር ኣብ ክልላት ዝካየዱ ውድድራት ግደኦም ዕዙዝ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ተተካእቲ ስፖርተኛታት ንምፍጣር ኣብ ክልላት ዝካየዱ ውድድራት ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎም ፕሬዚዳንት ፌደሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ኢሳያስ ጅራ ገሊፆም። ኩለን ዞባታትን 26 ወረዳታትን ክልል ኦሮሚያ ዝሳተፉሉ መበል 26 ሻምፒዮና ሓፈሻዊ ስፖርት ኣብ ከተማ ጅማ ምክያድ ጀሚሩ፡፡ ኣይተ ኢሳያስ ኣብ ከተማ ጅማ ኣብ ዝተኻየደ መርሃ…

ፀወታታት ርብዒ ፍራ ሻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ ምሸት ቀፂሎም ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፀወታታት ርብዒ ፍራ ሻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ ምሸት ፓሪሴንት ዥርሜን ምስ ባርሴሎና ከምኡ እውን ኣትሌቲኮ ማድሪድ ምስ ቦርሽያ ዶርትመንድ ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡ ጋንታት ፒ ኤስ ጂን ባርሴሎናን ዝገብረኦ ፀወታ ምሸት 4 ሰዓት ኣብ ፓስታዲየም ርክ ዴስ ፕሪንስ ክካየድ ኢዩ፡፡ ብተመሳሳሊ ኣትሌቲኮ ማድሪድ…

ፀወታታት ርብዒ ፍፃመ ሻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ ምሸት ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፀወታታት ርብዒ ፍፃመ ሻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ ምሸት ክካየዱ ኢዮም። ኣብቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ ፀወታ፥ ኣርሰናል ምስ ባየር ሙኒክ ከምኡወን ሪያል ማድሪድ ምስ ማንቸስተር ሲቲ ፀወተአን ከምዘካይዳ እቲ ዝወፅአ መርሃ ግብሪ የረድእ። ልዑል ነጥቢ ብምውህላል መራሕቲ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ዘለዉ ኣርሴናል፥ ሎሚ ምሸት ሰዓት 4…

ማንቸስተር ዩናይትድን ሊቨርፑልን ክልተ ማዕረ ተፈላሊየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 32 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ጋንታታት ማንቸስተር ዩናይትድን ሊቨርፑልን ዝገበረኦ ፀወታ ጨዋታ 2 ን 2 ማዕረ ብዝኾነ ውፅኢት ተዛዚሙ፡፡ ኣብዚ ሰሙን ትፅቢት ዝተገበረሉ ፀወታ ኣብ ሜዳኣ ዝተፃወተት ጋንታ ማንቸስተር ዩናይትድ ብሩኖ ፈርናንዴዝን ኮቢ ማይኑን ሸቶታት እንተመዝግቡ÷ ንሊቨርፑል…

ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ሃድያ ሆሳዕና ኣብ ልዕሊ ኣዳማ ከተማ ዓወት ኣመዝጊባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ዝተኻደ መበል 20 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ሃድያ ሆሳዕና ንኣዳማ ከተማ 2 ን 1 ብምስዓር ዓወት ኣመዝጊባ። ሎሚ መዓልቲ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 10፡00 ኣብ ዝተኻደ ፀወታ ንሃድያ ሆሳእና ዳዋ ሁጤሳ 45+6 ደቕ ከምኡ እውን ብሩክ ማርቆስ ኣብ መበል 84 ደቒቕ ሸቶታት ኣመዝጊቦም። ብሕታዊት ሸቶ…

ኣብ ማራቶን ፓሪስ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፓሪስ ብዝተኻደ ውድድር ማራቶን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብክልቲኡ ፆታ ተዓዊቶም፡፡ መስታወት ፍቅር 02:20፡ 45 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ኣብ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ እንትትዕወት፤ ብተመሳሳሊ ብደቂ ተባዕትዮ ሙሉጌታ ኡማ 02፡05፡33 ብምእታው ኣብቲ ውድድር ቀዳማይ ብምውፃእ ተዓዊቱ፡፡ ኣትሌት እናት ጥሩ ሰው…