ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 13 ሻምፒዮና ትሕቲ 20 ዓመትን 4ይ ሻምፒዮና ትሕቲ 18 ዓመትን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ይካየድ ኣሎ፡
ኣብቲ ውድድር ካብ ሰሸሞንተ ክልላት፣ ምምሕዳር ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ከምኡ እውን ካብ ጋንታታትን ትካላትን ዝተውፃእፅኡ ኣትሌታት ክሳተፉ ኢዮም ተባሂሉ።
ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኮማንደር ስለሺ ስህን÷ ዕላማ እቲ ሻምፒዮና ተተካእቲ መናእሰይ ብቕዓቶም ንኸሪኡ ኣብ ናይጄሪያ ኣብ ዝካየድ ትሕቲ 18ን 20ን ዓመት ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ንኢትዮጵያ ዝውክሉ ኣትሌታት ንምምራፅ ከምዝኾነ ገሊፆም።
እቲ ውድድር ብጉያን ናይ ሜዳ ተግባራትን ብክልቲኡ ፆታ ክሳብ 24 ግንቦት ከምዝካየድን ልዕሊ 1 ሺሕን 100 ኣትሌታት ከምዝሳተፉ ተገሊፁ።
እቲ ውድድር ቅድሚ ሕዚ ዝረኣዩ ናይ ዕድመ ምጭብርባራትን ካልኦት ፀገማትን ንምውጋድ ምስ ክልላት ኣቐዲምካ ከምዝተሰርሐ ኣመልኪቶም።
ብተሾመ ሃይሉ