ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜን፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሼኽ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ብምዃን ዳግም ተመሪፆም።
ምርጫ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ(መጅሊስ) ሎሚ ተዛዚሙ።
ምስረታን ምርጫ ኣፈፀምቲ ስራሕን ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያምክያዱ ተገሊፁ።
ብመሰረት እዚ ሼኽ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ብምዃን ተመሪፆም።
ሼኽ ኣብዱልከሪም ሼኽ በድረድን ድማ ተተካኢ ምክትል ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ብምዃን ከምዝተመረፁ ተሓቢሩ።
ሼኽ ጁኔይድ ሃምዛን ሼኽ ሃሚድ ሙሳን ምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ እንትኾኑ፥ ኡስታዝ ተምኪን ኣብዱላሂ ድማ ዋና ፀሓፊ ብምዃን ተመሪፆም።
ብጀማል ኣህመድ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!