ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓምለዋይ ኣሰር ክሊማዊ ለውጢ ኣብ ምክልኻል፣ ኢኮኖሚን ፍሪያትን ኣብ ምውሳኽ ሽም ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ዘበረኸ ተግባር ኢዩ ኢሎም ምሁራን።
ኣብ ሚኒስቴር ግብርና መራሒ ኣፈፃሚ ስራሕ ሓለዋን ኣጠቓቕማን ልምዓት ሃፍቲ ተፈጥሮ ፋኖሴ መኮነን ከምዝበልዎ፥ ሓምለዋይ ኣሰር ሽፋን ደኒ ኢትዮጵያ ብመውሳኽ ተወሳኺ ውፅኢት ኣመዝጊቡ ኢዩ።
ብመሰረት እዚ ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ንጎረባብቲ ሃገራት ክሊማዊ ለውጢ ኣብ ምቅላስ ኣስተዋፅኦ ከምዝገበረ ሓቢሮም።
መንግስቲ ነቲ ጉዳይ ዘርኣዮ ቁርፀኝነትን በቲ መርሃ ገብሪ ዝተረኸበ ውፅኢትን ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ዘለዋ ፅልዋ ንክውስኽ ይገብር ከምዘሎ ኣገንዚቦም።
ብመራኸብቲ ሓፋሽ ካልኦት ሃገራት ብስፍሓት ሽፋን ይረክብ ከምዘሎን ልምዲ ብምውሳድ ተግባራዊ ይግበር ከምዘሎን እውን ገሊፆም።
ብዮናስ ጌትነት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!