ቀንዲ ስትራቴጂ ራኢታት ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030…

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ሰለስተ ቁልፊ መሰረታዊ ራኢታት ተሓኒጊጡ ኢሎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር መዛዘሚ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025ን ስነ ስርዓት ዕላዊ መጀመሪ መርሃ ግብሪ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ተረኺቦም።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ዝነበሮም ወግዒ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030፤ መሰጎሚ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030፤ ስትራቴጂ ጂታል ኢትዮጵያ 2025 ኢዩ ኢሎም።

ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ሰለስተ ቁልፊ መሰረታዊ ራኢታት ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ እቲ ናይ መጀመርታ ኩሎም ዜጋታት ካብ ዘለዉዎ ቦታ ብምዃን ዝደልዩዎ ኣገልግሎት ንኽረኽቡ ተበፃሕነት ምስፋሕ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ማዕረ ዝኾነ ዕድል ኣብ ዘይተውሃበሉ ቦታ ማዕረ ተረባሕነት ምርግጋፅ ኣይከኣልን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ዝኾነ ይኹን ዜጋ ክረኽቦ ዝግባእ ዕድል ማዕረ ክረኽብ ዝኽእለሉ ስርዓት ምህናፅ ናይቲ ስትራቴጂ ካልኣይ ራኢ ከምዝኾነ ፀሪሖም።

እዚ ድማ ፆታ፣ ጉድኣት ኣካል ከምኡ እውን ናይ ኣካል ርሕቐት ምክንያታት እንተይገደቡዎ ዜጋታት ክረኽቡዎዝግባእ ዕድል ብማዕረ ዝረኽቡሉ ስርዓት ምፍጣር ምኽኣል ኢዩ ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ሞንጎ ዜጋታትን ትካላትን እምነት ምህናፅ ናይቲ ስትራቴጂ ሳልሳይ ራኢ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ብሶስና ኣለማየሁ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment