ቀይሕ ባሕሪ ካብ ኢትዮጵያ ዝፈለየ ናይ ሽርሒ ፖለቲካ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሓምለ 2018 (ኤፍ.ኤም.ሲ.)ኢትዮጵያ ቅድሚ 30 ዓመታት ናይ ባዕላ ወደብ ባሕሪ ዝነበራ ሃገር ኢያ።

እዚ ወደብ ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነስ ንሃገራት እቲ ከባቢ እውን ዝምችእ ናይ ንግዲ መተሓላለፊ ብምፍጣር ስርዓት ንግዳ ብፅቡቕ ክሰርሕ ይሕግዝ ነይሩ።

ይኹን እምበር ብሰንኪ ፖለቲካዊ ሽርሒ ዘይተመርፀን ዘይተማኸረን መንግስቲ ከምኡ እውን ብሰንኪ ውሽጣዊ ምፍልላይን ድኽመትን ኢትዮጵያ ወደብ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር ኮይና ብጂኦግራፍያ ተዓፅያ ተሪፋ።

በዚ ኣሉታዊ ታሪኻዊ ክስተት ሓደ ግዜ ወደብ ባሕርን ሓይሊ ባሕርን ዝነበራ ኢትዮጵያ ንቀይሕ ባሕሪ ቀረባ እኳ እንተነበረት ርሒቓ ክትነብር ተገዲዳ።

ነዚ ታሪኻዊ በሰላ ንምድምሳስ መንግስቲ ለውጢ ዝጀመሮ ስራሕቲ ኣብዚ እዋን እውን ታሪኽ እንደገና ንኽፀሓፍን ናይ ኢትዮጵያ ታሪኻዊ ርክብ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ንምርግጋፅን ዝዓለመ ምዃኑ ተገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ትማሊ ኣብ መኽፈቲ ሃገራዊ ዘተ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ኢትዮጵያ ነቲ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ረብሓኣ ንምምላስ ዘለዋ ቁርፀኝነት እናተጠናኸረ ይመፅእ ከም ዘሎ ገሊፆም።

“ቀይሕ ባሕሪ ዝሰኣንናዮ፣ ንሕና ክንጨቓጨቕ ከለና ግዜ ተፀቢዮም ብምእታው ድሌትና ከይንፍፅም ብዝገበሩ ሓይልታት እዩ” ክብሉ ገሊፆም። ከምኡ ‘ወን ንኢትዮጵያ ናይ ዘመናት ቂም ዝሓዙ፣ ዕድል ክረኽቡ እንተለዉ ብቕፅበት ዝቕልቀሉ ሓይልታት ከም ዘለዉ ኣመልኪቶም።

ኢትዮጵያ ንግድብ ህዳሰ ክትሃንፅ፣ ከተማታታ ከተማዕብልን ካልኦት ፕሮጀክታት ክትሰርሕን ከላ ዘይረኣዩ ንሕና ክንጨቓጨቕ ከለና ግን ገንዘብን ባሩድን የቕርቡ፣ ብሚዲያታቶም ድማ ፕሮፓጋንዳ ይዝርግሑ ኢሎም።

ይኹን እምበር እዞም ተቓወምቲ ናይ ኢትዮጵያ ታሪኽ ብዕምቆት ከንብቡን ክፈልጡን ከም ዘለዎም ኣፅንኦት ብምሃብ ገሊፆም። ምኽንያቱ ኢትዮጵያዊያን ክጋጨዉ ከለዉ ብሽምግልና፣ ብምምኽኻር፣ ብካሕሳን ብይቕሬታን ቂም ናይ ምፍታሕ ባህሊ ኣለዎም ኢሎም።

ብተወሳኺ ኣብ ውሽጥና ዘለዉ ፀገማት ብኣና ጥራይ ዝጅምሩን ዝውድኡን ኣይኮኑን። ከምቲ “ኣሞራ ከፍቲ ክሕረድ እዩ ዝፅበ” ዝብል ምስላ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንእሽቶ ምንቅስቓስ ምስ ዝፍጠር ዝነቕሑ ናይ ነዊሕ ዘመን ፅልኢ ዝሓዙ ሃገራት ኣለዋ ኢሎም።

ኣብ መደረኦም፥ ነቶም ኣብ ሰማይ ኢትዮጵያ ዝዞሩ ኣሞራታት መልእኽቲ ኣለኒ። ከፍቲ መዓስ ክሕረድ ንውስን ንሕና ኢና፤ ቁራፅ ስጋ ንመን ከም ዝኸውን ንውስን እውን ንሕና ኢና።

ብፍቓድና ዘይኮነ ካብ ሓንቲ ቁራፅ ስጋ እኳ ብግዲ ክወስድ ዝኽእል ኣሞራ የለን” ኢሎም።

ክንካፈል እንተደሊና ድሉዋት ኢና። ካብ ፍቓድና ወፃኢ ግን ንሺሕ ዓመታት ዝነበረት ኢትዮጵያ ብፕሮፓጋንዳ ክትታለል ወይ ረብሓኣ ክትህብ እያ ኢልካ ምሕሳብ ከንቱ ትምኒት እዩ ክብሉ ኣረጋጊፆም።

እዚ ጉዳይ መደረ ጥራይ ኣይኮነን፤ ብተግባር ዝድገፍ፣ ደቃ ብዘተን ምምኽኻርን ውሽጣዊ ፀገማታ ፈቲሓ፣ ንዝመፅእ ወለዶ ምሉእን ሓያልን ኢትዮጵያ ንምርካብ ዝዓለመ ተልእኾ እዩ።

ልዕሊ 4,000 ደቃ ኣብ ሓደ ቦታ ኣኪባ ንምምኽኻር መድረኽ ዝኸፈተት ኢትዮጵያ፥ ዝነበራ ፀገማት ፈቲሓ፣ ብሃይለ ቃል ዝጅምርን ብሓይሊ ኣፅዋር ዝውዳእን ፖለቲካኣ ንሰላም ክትቕይሮ፣ ከምኡ እውን ብናይ ሽርሒ ፖለቲካ ዝሰኣነቶ ረብሓ ቀይሕ ባሕሪ ንምምላስ ስራሓ ከተጠናኽር ዘኽእላ ብሩህ እዋን ኣብ ቅድሚኣ ኣሎ።

ኢትዮጵያ ትዝቲ፣ ፀገማታ ትፈትሕ፣ ሃገራዊ ረብሓኣ ድማ ትሕሉ። ስለዚ እውን ግዜ ሓሊዮም ጣልቃ እናኣተዉ ድሌትና ከይንፍፅም ዝፍትኑ ሓይልታት ብፅኑዕ ምጥንቃቕን ምምካትን የድሊ።

ብእመቤት ሲሳይ

 

 

 

Comments (0)
Add Comment