ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ዝገብሩ ዘለዉ ቀደማይ ሚኒስትር ማሌዢያ ዳቶ ሰሪ ኣንዋር ቢን ኢብራሂም ኣብ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ዑደት ኣሳሊጦም።
ነቶም ቀደማይ ሚኒስትር ኣቀባብላ ዝገበሩሎም ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ማህሙድ ዓሊ ዩሱፍ፥ እቲ ዑደት ርክብ ማሌዥያን ኣፍሪካን ዘጠናኽር ታሪካዊ ዑደት ኢዩ ኢሎም።
ብተወሳኺ ርክብ ማሌዥያን ኣፍሪካን ንክጠናኸር ሓዱሽ ምዕራፍ ከምዝኸፍት ተዛሪቦም።
ዝምድና ንግዲ ማሌዥያን ኣፍሪካን ኣብ 2024 ዓ.ም.ፈ ልዕሊ 7 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ምብፅሑ ኣዘኻኺሮም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!