ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ካብ ጥቅምቲ ክሳብ ሕዳር 2018 ዓ.ም ቁልፊ ዝኾኑ ተኸታተልቲ ተግባራት ፈፂሞም።
እተም ቀደማይ ሚኒስትር ብኣሰናዳእነት ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ መሬት ኣፍሪካ ንፈለማ እዋን ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 ብምስታፍ ልዑል ዲፕሎማሲያዊ ዓወት ረኺቦም።
ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን (ዶ/ር) ኣብ ጉባኤ ምስታፎም ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ በምሕላው ሓበራዊ ድምፂ ኣፍሪካ ንምጉላህ ዘኽኣለ ነይሩ።
እዚ ድማ ፅዕንቶ ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኸ ዛዕባታት እናጎልበተ ምምፅኡ ዘረጋገፀ ኢዩ።
ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ጎንደር ኣብ ዝነበሮም ዑደት፥ ኩነታት ስራሕ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ መገጭ ገምጊሞም።
እቲ ፕሮጀክት ኣብ 870 ሄክታር ዝዓረፈ እንትኸውን፥ 17000 ሄክታር መሬት ብመስኖ ክሽፍን ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ብምዃን ኣብታ ከተማ ኣብ ዝገበርዎ ዑደት፥ ዝተሓደሰ ቀፅሪ ፋሲል መሪቖም።
እቲ ስራሕቲ ሕድሳት፥ መዋቕር ፅገና ህንፀት እቲ ቤተ መንግስቲ፣ ምምሕያሽ መገዲታት እግሪ፣ ቁልፊ ዝኾኑ ህንፃታት ብባህላዊ ናውቲታት ዝግባን ኣውሒን ብምጥቃም መልክዕን ባህሪን እቲ ቦታ ንምሕላው ተሰሪሑ።
ብተወሳኺ ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ጎርጎራ ልዕሊ 180 ሰባት ናይ ምጉዕዓዝ ዓቕሚ ዘለዋ ጣናነሽ ፪ ዝተብሃለት ጀልባ ስራሕ ኣጀሚሮም።
ብተመሳሳሊ ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ከተማ ባህርዳር ኣብ ዝነበሮም ዑደት፥ ዓለም ለኸ ስታዲየም ባህርዳር፣ እታ ከተማ ንዓውዲ ቱሪዝም ምቹእ ንምግባር ዝካየዱ ዘለዉ ስራሕቲ ርእዮም።
እቲ 52 ሺሕ ሰብ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ዘለዎ ስታዲየም ብመሰረት ካፍ ዘቐመጦ ስታንዳርድ ደረጅኡ ኣብ ምምሕያሽ ጠመተ ሂብካ ዝስራሕ ዘሎ ከምዝኾነ ተዓዚቦም።
ካብዚ ብተወሳኺ ጎርጎራ ኢኮ ሪዞርት መሰረት ብምግባር ኣብ ባህርዳር ወሰን ቀላይ ጣና ዝህነፅ ዘሎ ፈለገ ጊዮን ሪዞርት ዝረኣዩ እንትኾኑ፥ እቲ ሪዞርት ናብ ስራሕ እንትኣቱ ናይታ ከተማ ናይ ቱሪዝም ካብ ምንቕቓሕ ብተወሳኺ ንብዙሓት መናእሰይ ዕድል ስራሕ ዝፈጥር ከምዝኾነ ኣብቲ እዋን ተዛሪቦም።
ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ከተማ ከሚሴ ኣብ ዝገበርዎ ዑደት፥ ኣብታ ከተማ ዝካየዱ ዘለዉ 1.3 ኪሎ ሜትሮ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ረእዮም።
ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዋና ቤት ዕዮ ኢንስቲቲዩት ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ዑደት ብምግባር ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዝነኣድ ለውጢ ህንፀትን ዘበናዊ ጥበብ መስርሒ ቦታን ብምርኣይ ንሰራሕተኛታት ኣዝዩ ምቹእ ዝኾነ ስፍራ ምፍጣሩ ገሊፆም።
እቲ ትካል ኣብ ውሽ0 ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ዓውዲ ጥዕና፣ ግብርና፣ ኣገልግሎት ዝምዕብል ዘሎ ናይ መሪሕነት ኣስተዋፅኦኡ ይዋፃእ ዘሎ እንትኸውን፥ ብክላውድ ኮምፒውቲንግ፣ ዓበይቲ ማዕኸናት ሓበሬታ፣ ምድላይ ሓበሬታ፣ ምጉልባት ዓቕሚ ሮቦቲክስን ኢመርሲቭ ቴክኖሎጂታትን ይርከብ ኢሎም።
ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን (ዶ/ር) ኣብ ጉባኤ ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ብምዝታይ ስትራቴጂካዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ዘፅንዑ ከልቲኣዊን ኩለመዳያዊን ዲፕሎማሲያዊ ተግባራት አዐዊቶም ኢዮም።
እቶም ቀደማይ ሚኒስትር፥ ምስ ፕሬዝደንት ደቡብ ኣፍሪካ ሲሪል ራማፎሳ፣ ዋና ዳይሬክተር IMF ክሪስታሊና ጂኦርጂየቫ፣ ፕሬዝደንት ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ዶክተር ሲዲ ኡልድ ታህ፣ ኣቡዳቢው ልዑል ወራሲ ዓራት፣ ፕሬዝደንት ቱርክዬ፣ ፕሬዝደንት ፊንላንድ፣ ፕሬዝደንት ፈረንሳይ፣ ናይ ጀርመን ቻንሰለር፣ ቀደማይ ሚኒስትር ኖርዌይ፣ መራሕቲ ህንዲ፣ ቬይትናም፣ ደቡብ ኮሪያን ኣውስትራሊያን ዕዉት ዘተ ኣካይዶም።
ብተወሳኺ ምስ ቀደማይ ሚኒስትር ዩናይትድ ኪንግደም፣ ፕሬዝደንት ብራዚል፣ ቀደማይ ሚኒስትር ኔዘርላንድ፣ ቀደመይቲ ሚኒስትር ጣሊያንን ምክትል ፕሬዚዳንት ኢንዶኔዢያን እወንታዊ ዘተ ኣካይዶም።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ(ዶ/ር) ፕሬዚዳንት ኮፕ 32 ኢትዮጵያ ኮይኖም ምምዳቦም ስዒቡ ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ኣተሓባባሪ ብሄራዊ ኮሚቴ ኮፕ 32 ኣኼባ ኣካይዶም ኢዮም።
እቲ ኣኼባ ኢትዮጵያ ኮፕ 32 እንትተኣናግድ ሓቛፊን ብዝግባእ ዝተዳለወን ጉባኤ ንክኸውን ንምርጋጋፅ መንግስቲ ዘለዎ ቁርፀኝነት ዘርኣየሉ ነይሩ።
ብድምር ኣብ ወርሒ ጥቅምቲን ሕዳርን 2018 ዓ.ም ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ልምዓት ፕሮጀክት መስኖ፣ ስራሕቲ ልምዓት ቱሪዝምን ኢትዮጵያ ኣብ ትግበራ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ንምስላጥ ከምኡውን ብዲፕልማሲ ክብ ንምባል ዝገበርዎ ኣመራርሓ ብእወንታዊ ውፅኢት ዝተዓጀበ ነይሩ።