ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ባንኪ ዓለም ኣጄይ ባንጋ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ባንኪ ዓለም ኣጄይ ባንጋ ዘቲዮም።

እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ምስ ፕሬዚዳንት ባንኪ ዓለምን ፈታዊ ኢትዮጵያን ኣጄይ ባንጋ ምዝታየይ ኩሉ ግዘ ዘሐጉስ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ዘተ ባንኪ ዓለም ንኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝገብሮ ደገፍ ጠመተ ዝገበረ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ፕሮጀክታት ልምዓት ጥዕና፣ ፍልፍል ሓይሊን ሓለዋ ከባቢ ኣየርን ዝግበር ደገፍ ገንዘብ ዝጠመተ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment