ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ካፍ ፓትሪስ ሞትሲፒ (ዶ/ር) ዘቲዮም።
እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ምስ ፕሬዚዳንት ካፍ ፓትሪስ ሞትሲፒ (ዶ/ር) ኣብ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪካን ኢትዮጵያ ኣብቲ ምዕባለ ዝህልዋ ግደን ዝጠመተ ውፅኢታዊ ዘተ ኣካይድና ኢሎም።
ንምዕባለ መናእሰይ፣ መሰረተ ልምዓት ስፖርት ኢሉ እውን ኣብ መድረኽ ዓለም ንምምዕባል ብዛዕባ ዝህሊ ምትሕብባር ተዛቲና ኢሎም።