ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ዘቲዮም።
ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ንዓርከይ ፕሬዚዳንት ኢማኑኤል ማክሮን ንሓዱሽ ዓመት 2026 ዓ.ም.ፈ ሰናይ ትምኒት እንቋዕ ኣብፀሐኩም ተለዋዊጥና ኢሎም።
ኣብ ዘተኦም ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ዘለወን ኩለ መዳያዊ ርክብ ምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ኩነታት ምምካሮም ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ ኣብ ቀጣናዊን ዓለም ለኻዊን ጉዳያት ሓበሬታ ንምልውዋጥን ብምትሕብባር ንምስራሕን ምስምምዖም ሓቢሮም።
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!