ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ሎሚ ኣብ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዞባ ቤንች ሸኮ ከተማ ሚዛን ኣማን ንጉድኣት ኣካል ድጋፍ ዊልቼር ገይረን።
ብቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ዝምራሕ ቤት ፅሕፈት ቀማዊት እመቤት ስራሕ ካብ ዝጀመረሉ እዋን ጀሚሩ ንጉድኣት ኣካል ፍሉይ ጠመተ ብምሃብ ዝተፈላለዩ ደገፋት ብምግባር ብዙሓት ስራሕቲ ኣብ ምስራሕ ይርከብ።
ስለዝኾነ ሎሚ ደቆም ጉድኣት ኣካል ኣጋጢሙዎም ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምንቅስቓስ ንዝተፀገሙ ወለድን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ተንቀሳቒሶም ንምምሃር ይኹን ንምስራሕ ንዝተፀገሙ ወገናትን ሓገዝ ዝገብር ደረፍ ዊልቸር ምግባሩ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣፍሊጡ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታታት ንምርካብ
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!