ቀዳማይ ሚኒስትር ሩዋንዳ ጀስቲን ንሴንጊዩምቫ (ዶ/ር) ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ሩዋንዳ ጀስቲን ንሴንጊዩምቫ (ዶ/ር) ኣብ መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካን ኣብ ጉባኤ ጣልያን ኣፍሪካን ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ምስ በፅሑ ብሚኒስትር ሰላም መሓመድ እድሪስ ኣቀባብላ ተገይሩሎም፡፡
መበል 39 ጉባኤ መራሕቲ እቲ ሕብረት “ዘላቒ ቀረብ ማይን ድሕንነቱ ዝተሓለወ ስርዓታት ሓለዋ ንፅህናን ምርግጋፅ÷ ሸቶታት ኣጀንዳ 2063 ንምዕዋት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ፅባሕን ድሕሪ ፅባሕን ክካየድ ኢዩ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
Comments (0)
Add Comment