ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ሲንጋፖር ሎውረንስ ዎንግ ኣብ ትሕቲ ሓወልቲ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ሕቑፊ ዕምበባ ኣንቢሮም፡፡
ከንቲባ ምምክዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ሲንጋፖር ሎውረንስ ዎንግ ተዛቲየን፡፡
ድሕሪ እቲ ዘተ ድማ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኩርዓት መላእ ፀለምቲ ህዝቢታት ዝኾነ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ተዘዋዊሮም ተመልኪቶም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዑደቶም፤ ኣብ ትሕቲ ሓወልቲ ንቃልሲ ናፅነት ፀለምቲ ህዝቢታት ዋጋ ዝኸፈሉ ጀጋኑ ሕቑፊ ዕምበባ ኣንቢሮም።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ሎውረንስ ኣብ ምድረ ቀደምት ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ኣብ ውቅብቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝህልዎም ፃንሒት ዕውዉት ንኽኸውን ሰናይ ትምኒተን ገሊፀን፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!