ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ባርባዶስ ሚያ ሞተሊ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ማሕበረሰብ ካሪብያን ኣፍሪካ ንምስታፍ ኣዲስ ኣበባ ኣትየን።
ቀዳማይ ሚኒስትር ሚያ ሞተሊ ኣብ ኣለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሓ ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር) ኣቀባብላ ገይረናለን፡፡
ካልኣይ ጉባኤ ማሕበረሰብ ካሪብያን ኣፍሪካ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ “ዘርዓ- ኣፍሪካውያን ንኣፍሪካውያን ምክሕሓስን ፍትሒ ንምድላይን ኣህጉራዊ ምሕዝነት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ፡፡
እቲ ጉባኤ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ኣፍሪካን ካሪብያንን ዘሎ ምትሕብባር ደቡብ-ደቡብ ርክብ ብምጥንኻር፣ ኣፍሪካ ካብ ሃገራት ካሪቢያ ዘለዋ ርክብ ናብ ጥንኹር ኢኮኖሚ ዲፕሎማሲያዊ ምትሕብባር ንምዕባይ ዘኽእል እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር፡፡
ኣብቲ ጉባኤ ናይ ዓለም ስርዓተ ፋይናንስ፣ ቱሪዝም፣ ሰብኣዊ መሰላት ዝኣመሰሉ ጉዳያት ክዝቲ እዩ።
ብኣሸናፊ ሽብሩ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!