ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) መበል 1446 በዓል ዓረፋ(ዒድ ኣል ኣድሃ) ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንቋዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት፥ ኣብ እዋን ዓረፋ ዝዝከሩ ክልተ ክብሪታት ንእንሃንፃ ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ኣዝዮም ኣገደስቲ ኢዮም ኢሎም።
እቲ በዓል መስዋእትነት ዝዝከረሉ በዓል ምኻኑ ብምግላፅ፥ ውላድካ ንፈጣሪ መስዋእትነት ካብ ምግባር ንላዕሊ ምምእዛዝን ምሃብን የለን ክብሉ ገሊፆም።
ሃገር እትፀንዕ እንፈትዎ ነገር መስዋእቲ ብምግባር ኢያ፤ ምክኒያቱ ሃገር ማለት ሐዚ ዘሎ ትውልዲ ንቐፃሊ ትውልዲ እንትብል መስዋእትናት ዝኸፍለላ ስለዝኾነት ብምባል ኣብሪሆም።
ካሊእ መስዋእትነት ንምርካብ ንገዛእ ርእስኻ መስዋእት ምዃን ይግባእ ብምባል፥ ንሃገሩ መስዋእቲ ዝኸውን ትውልዲ ዝፈጥር ንሃገር ቀዲሙ ዝተሰወአ ትውልዲ ኢዩ ኢሎም።
ኣዴታትን ኣቦታትን ንሃገሮም ነፃነትን ሉእላውነትን እንትብሉ መስዋእትነት ከፊሎም ኢዮም፤ በዚ መስዋእትነት ሰማያዊን ታሪካዊን ዋጋ ክረኽብሉ ኢዮም ክብሉ ገሊፆም።
ኣዳምን ሄዋንን ካብ ገነት ምስወፅኡ ንነዊሕ እዋን ተፈላለዮም ብምፅናሕ ኣብ በዓል ዓረፋ ምርዃቦም ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ በዓል ዓረፋ ዝተፈላለዩ ዝራኸብሉ በዓል ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ሓሳብ፣ ኣረኣእያ፣ ቅርታን ዝሓለፈ ታሪክን በዝተፈላለዩ መገዲታት ፈላለየሙና ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም፤ ይኹን እንበር ናይ ሓንቲ ዓዲ ሰባት ስለዝኾንና ተፈላሊና ምትራፍ ዘይኮነስ ከም ኣዳምን ሄዋንን አንራኸበሉ መገዲ የድሊ ኢዩ ኢሎም።
ንሕና አንራኸበሉ መገዲ ድማ ሃገራዊ ዘተ ኢዩ ከብሉ ገሊፆም።
ሃገራዊ ዘተ ሓሳባትን ባህግታትን ዝራኸብሉ መድረኽ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ሓደ ነቲ ካሊእ ዝሕግዘሉ፣ ዝድግፈሉ፣ ዝራኸበሉን ሰለማዊ መድረኽ ኢዩ ኢሎም።
ስለዝኾነ በዓል ዓረፋ እንትነኽብር ንሃገርን ንናይ ፅባሕ ትውልዲን እንኸፍሎ መስዋእትነት እናሓሰብና፣ ኣብቲ ዘተ ሃገራዊ ዘተ እንራኸበሉ መድረኽ ብዝበለፀ እናጠናኸርና ከምዝኾንና ተስፋ እገብር ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።