ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ሪፎርም ኢኮኖሚ፣ ቀጣናዊን ዓለም ለኻዊን ስትራቴጂካዊ ዲፕሎማሲ ብዘሳልጥ መገዲ ተኸታታሊ ተግባራት ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ወርሒ ሰነን ሓምለን 2017 ዓ.ም ቁልፊ ዝኾኑ ብሄራዊ ትግበራ ፖሊሲ፣ ሪፎርም ኢኮኖሚ፣ ቀጣናዊን ዓለም ለኻዊን ስትራቴጂካዊ ዲፕሎማሲ ብዘሳልጥ መገዲ ተኸታታሊ ተግባራት ምክያዶም ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ውሽጢ ዓዲ ካብ መንጎ ዘካየድዎም ተግባራት ኣፈፃፅማ ትልሚ 2017 ዓ.ም ጠሚቱ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝተልዓሎም ሕቶታት ሰፊም ምምላሽም መብርሂን ምሃቦም ሓቢሩ።

ብብርኪ ዓለም ድማ ኣብ መበል 17 ጉባኤ መራሕቲ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ብምስታፍ ምስ መራሕቲ ዓለም አብ ዝገበርዎ ዝለዓለ ሰትራቴጂካዊ ዘተ ሽም ኢትዮጵያ ክብ ንክብል ገይሮም ኢዮም ኢሉ።

ኢትዮጵያ ምስ ጣሊያን ኣብ ዘዳለወቶ መበል ካልኣይ ጉባኤ ስርዓት ምግቢ ሕቡራት መንግስታት፥ ሃገራዊ ልምዓት ንምስላጥን ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ዓለም ዘለዋ ግደ ብልዑል ኩነታት ንምጉልባትን ዝዓለመ ኣመራርሓ ይወሃብ ምህላዉዘረጋገፀ ተሳትፎ ከምዝነበሮም ገሊፁ።

ብተወሳኺ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለምን ሓለፍቲ ዓለም ለኸ ትካላትን ተቐቢሎም ውፅኢታዊ ዘተ ከምዝገበሩ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣፍሊጡ።

ቀዳመይቲ ሚኒስትር ሪፐብሊክ ጣሊያን ጂኦርጂያ ሜሎኒን ሓዊሱ፥ ምስ ፕሬዚዳንት ኬንያ ዊልያም ሩቶን፣ ፕሬዝዳንት ሶማሊያ ሓሰን ሼኽ መሓሙድን ፕሬዝዳንት ሕብረት ኮሞሮስ  ኣዛሊ ኣሱማኒን ኣብ ክልቲኣዊ፣ ቀጣናዊ፣ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ ዘተ ምስላጦም ኣገንዚቡ።

ብተወሳኺ ቅድሚ እቲ ጉባኤ፥ ምክትል ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣሚና መሓመድን ሓለፍቲ ዓለም ለኸ ትካላትን ኣብ ቤት ዕዮኦም ብምቕባል ምዝታዮም ሓቢሩ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ኣብ መሰረተ ልምዓት ገፀርን ስነ ምግብን ዝግበሩ ኢንቨስትመንታት ንምጉልባት ተገማቲ ናይ ዝኾነ ኮንሴሽናል ፋይናንሺንግ ኣድላይነት ኣፅንኦት ምሃቦም ኣብሪሁ።

ብድምሩ ኣብ ክልቲኦም ኣዋርሕ ልዑል ዝኾነ ግምገማታት ፖሊሲ ሃገር ንክግበሩ፣ ርኡይ ዝኾነ ዓለም ለኸ ኣኼባታት ንክካየድን ኣብ መድረኽ ዓለም ጠንካራ ዲፕሎማሲያዊ ተሳትፎ ንክፍጠርን ብሱል ኣመራርሓ ምሃቦም እቲ ቤት ዕዮ ገሊፁ።

ኩሎም ተግባራት ምዕባለ ኢትዮጵያ ዕላዊ ንምግባርን ብብርኪ ዓለም ዘለዋ ስትራቴጂካዊ ኣድላይነት ንምጉላህ ዝዓለሙን ዕዉታት ተግባራት ክምዝነበሩ ኣፍሊጡ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment