ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ብሕልፈት ህይወት ኣልቤርቶ ቫርኔሮ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብሕልፈት ህይወት ኣብ ዓውዲ ኮንስትራክሽን ኢትዮጵያ መሪሕ ተራ ዝነበሮም ኣልቤርቶ ቫርኔሮ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሓዘን፥ ካብ 1950ታት ጀሚሩ ኣብ ዓውዲ ኮንስትራክሽን ኢትዮጵያ መሪሕ ተራ ኣብ ዝነበሮም ኣልቤርቶ ቫርኔሮ ሕልፈት ህይወት ዝተሰመዐኒ ሓዘን ንምግላፅ እፎቱ ኢሎም።

ሰርሖም ናይ ሃገርና ከባቢን ታሪካዊን ሀንፀት ዘለዎም ምልክታት ልዕል ብዝበለ በርኪ ዝቐረፀ ኢዩ ከብሉ ገሊፆም።

ካብ መንጎ ታሪካዊ ስራሕቶም ኣዳራሽ ኣፍሪካ(ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ሕቡራት መንግስታት)፣ ቤት ማዘጋጃ ኣዲስ ኣበባ፣ ዋና ቤት ዕዮ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ፣ ሆቴል ሂልተን፣ ኣዳራሽ ሚሌኒያም ተረቋሕቲ ኢዮም ኢሎም።

ከምኡወን መመሓየሺ መዐርፎ ነፈርቲ ጅማ ኣባጅፋር፣ ቤተ መፃሕፍቲ ኣብርሆት፣ ፓርክ ኣንድነትን ሕድሳት ብሄራዊ ቤተ መንግስቲን ይርከብዎም ኢሎም።

ንነብሶም ዕረፍቲ፣ ብምኽኒያት ዕረፍቶም ንዝሓዘኑ ኩሎም ምፅንዕናዕ ንምነ ብምባል ሓዘኖም ገሊፆም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment