ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ካብ ወርሒ ግንቦት ክሳብ ሰነ 2017 ዓ.ም ቁልፊ ዝኾኑ ናይ ኢኮኖሚ ልምዓት፣ ምዕባለ ዓውዲ ቴክኖሎጂ፣ ሰትራቴጂካዊ ዲፕሎማሲን መንግስቶም ንዘላቒ ሃገራዊ ለምዓት ዝገብሮ ዘሎ ኩለ መዳይ ምንቅስቓስን ብዘርእይ መገዲ ተኸታታሊ ተግባራት ፈፂሞም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብዚ ወርሒ ከም ሃገር ናይ ዘተን ዝሰልጠነ ባህሊ ፖለቲካን እናጎልበተ ንክመፅእ መስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ሰፊሕ ዘተ ኣካይዶም ኢዮም።
ብተወሳኺ ምክትል ፕሬዚዳንት ናይጄሪያ ካሺም ሼቲማ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ከምኡውን ካልኦት ኣባላት ዶፕሎማቲክ ማሕበረሰብ ኣብ ዝተረኸብሉ ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ግብሪ ምንባር ሓምለዋይ ኣሰር ኣጀሚሮም።
ናይዚ ወርሒ ተግባር ዝተጀመረ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ኣብ ዝተገበረ ስነ ስርዓት ንቢል ጌትስ ላዕለዋይ ክብሪ ኒሻን ኢትዮጵያ ብምሽላም ኢዩ። እዚ ዝኸበረ ሽልማት ጌትስ ፋውንዴሽን ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ንዘበርከቶ ኣሻገርቲ ስራሕቲን ግዙፋት ዘበት ተሳገርቲ ሰናይ ፅዕንቶታትን ዘኽበረ ኢዩ። እቲ ፋውንዴሽን ኣብ ዓውዲ ጥዕና፣ ግብርና ፣ ዲጂታል መለለዪ ማንነት ዝገብሮ ፃዕሪ ኢሉ ‘ውን ጠንካራ ኣብ ምክብባር ዝተመስረተ ምትሕብባር እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም።
መንቅስቓስ ልምዓት ብዝምልከት ኣነባብራ ማሕበረሰብ ገፀር ንምምሕያሽ ዝተጀመረ ኮሪደር ገፀር ኣብ ኩሎም ከባቢታት እናሰፍሐ መፂኡ ኢዩ። ብመሰረት እዚ ኣብ ወርሒ ሰነ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ክልል ማእከላዊ ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ጣቢያታት ዞባ ኣካል ኮሪደር ልምዓት ገፀር ናይ ዝኾኑ ህንፀት ሞዴል መንደራት ገፀር ኣጀሚሮም። ሞዴል መንደራት ገፀር ቀሊል ወፃኢ ዝሓቱን ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ እታዎታት ዝህነፁ እንትኾኑ፥ ሓረስቶት እውን ጥዑይን ክብሪ ዘለዎን ህይወት ነክነብር ዘኽአሉ ኢዮም።
ኣብቶም ከባቢታት ዝካየድ ዘሎ ስራሕቲ ልምዓት ግብርና እውን ረእዮም። ኣብቲ ዑደት ቅድመ ሐዚ ብሓደጋ ውሑጅን ድርቂን ዝፍለጡ ዝነበሩ ከባቢታት ናብ ለምዓት መርኣያነት ዝገበርዎ ሽግግር ተዓዚቦም። ኣብቲ ከባቢ ብፍላይ ብዕፉን ከምኡወን ብልምዓት ኣትክልትን ፍራምረን ዝካየድ ዘሎ ስራሕቲ ኣዝዮም ዘተባብዑ ኢዮም።
ኣብ ወርሒ ሰነ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ካብ መንጎ ዘካየድዎም ዓበይቲ ተግባራት ሓደ ምስ ኢትዮጵያ ቴሌቪዥን ዝገበርዎ ፍሉይ ኣርባዕተ ክፍሊታት ዘለዎ ሰፊሕ ቃለ መሕትት አነትኸወን፥ ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓማውቲ ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ከም ሃገር ዝተመዝገበቡ ዓወታትን ዘጋጠሙ በድሆታትን ከምኡውን ፀገማት ንምስጋር ዝተወሰዱ ስጉምቲታት ብዝምልከት ኣብሪሆም። ኣብቲ ቃለ መሕትት እቶም ቀዳማይ ሚኒሰትር ቀፃሊ መብፅሒ ጉዕዞ ዕብየትን ምዕባለን ኣርእዮም።
ካሊእ ናይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ወሳኒ ናይ ወርሒ ሰነ ዲፕሎማሲያዊ ምንቅስቓስ ኢዩ። ኣብቲ ምንቅስቓስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ናይጄሪያዊ በዓል ሃፍቲ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ንኢትዮጵያ ወሳኒ ዝኾኑ ባህጊታት ንምሙላእ ዘኽእሉ ስልታዊ ናይ ኢንቨስትመንት ዓውዲታት ብዝምልከት ዘተ ገይሮም። ከምኡ ‘ውንጄኔራል ማሪን ኮርፕስ ኣሜሪካን ኣዛዚ ኣፍሪኮም ምስ ዠኮኑ ጄነራል ማይክል ላንግሌይ ሓበራዊ ባህጊታት ኣብ ዝኾኑ ክልቲኣዊን ቀጣናዊን ዛዕባታት ዘቲዮም።
ዲፕሎማቲክ ምንቅስቓስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) እንትቕፅል፥ ኣብ ወርሒ ሰነ ምስ ዋና ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ሓይሊ ኣቶሚክ ማሪያኖ ግሮሲ ተራኺቦም። ዓለም ለኸ ሓይሊ ኣቶሚክ ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበሮ ደገፍ ኣብ ምክንኻን ሕክምና መንሽሮ፣ ጥልና አንስሳት፣ ኒኩለር ኢንጂነሪንግን ማዕቐፋት ቁፅፅርን ዝጠመተ ኢዩ። ብመሰረት እዚ ናይ ክልቲኦም ዘተ ኣብ ከይዲ ኣብ ዘለዉ ደገፋትን ናይ ቀፃሊ ምትሕብባራትን ዕድላት ዝጠመተ ነይሩ።
ብኻሊእ መዳይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ወርሒ ሰነ ከም ሃገር ናይ ዘተን ዝሰልጠነን ባህሊ ፖለቲካ እናጎልበተ ንክመፅእ ምስ ዝተፈላለዩ ቁልፊ መዳርግቲ ኣካላት ሰፊሕ ዘተታት ኣካይዶም።
ብመሰረት እዚ ምስ ተነሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ፣ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ጥብብ፣ ተወከልቲ መምህራን፣ ሞያተኛታት ሚዲያ፣ ተወከልቲ ዓውዲ ጥዕናን ካልኦት ኣካላት ማሕበረሰብን ዘቲዮም። ኣብቲ ዘተ በቢዓውዱ ዘለዉ ዕድላትን እወንታዊ ስጉምቲታትን ኢሉ ‘ውን ከፍተታትን ብድሆታትን ዝተዳህሰስሉ ነይሩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ወርሒ ሰነ ፍሉይ ጠመተ ሂቦም ካብ ዝተንቀሳቐስሉን ዝተፈላለዩ ኣንፈታት ዘቐመጥሉን ዓውዲ፥ ምዕባለ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ኢዩ። ብመሰረት እዚ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ቀዋሚ ኤግዚብሽን ሙዚየም ሳይንስ ብዕሊ ተኸፊቱ። እዚ ዝነኣድ ተግባር ኣብ ኣርቴፊሻል ኢንተሊጀንስ፣ ክሌማዊ ለውጢን ናይ ኢትዮጵያ ምላሽን፣ ግብርና፣ ሓይሊ ማይን ኢነርጂን፣ ኤሮኖቲክስን ኣቪየሽን ዝጠመተ ሓሙሽተ ምድባት ኤግዚብሽን ዝሓዘ ኢዩ። እዚ ድማ ኢትዮጵያ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ንምጥቃም ዘለዋ ፅኑዕ ባህጊ ዘርእይ ኢዩ። ብተወሳኺ ኣብ ሃገርና ናይ መጀመሪያ ዝኾነ ናይ ህዋ ቅርፂ ሉላዊ ናይ ምርኢት ኣዳራሽ እውን ዕላዊ ኮይኑ። ኣብ 1000 ሜትር ስኩዌር ሜትርን 36 ሜትር ዲያሜትርን ብምሓዝ ዝዓረፈ እቲ አዳራሽ ዘመናዊ መርኣዪ ምስሊ 4k ዲጂታል ቴክኖሎጂ ዝተገጠመሉ ኢዩ። እቲ ምስለ ህዋ ልዑል ፅርየት ዘለዎ ኣዝዩ ዝነኣድ ምስሊታት ብምቕራብ ናይ ህዋ ዓለም ኣዝዩ ኣቕሪቡ ዘርእይ ኢዩ።
ብኻሊእ መዳይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ኢትዮጵያ ሓለዋ ከባቢ ልምዓት ቁልፊ ብሄራዊ ፕሮጀክትታት ዝኾነ ናይ ሎሚ ዘበን መርሃ ገብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ብምትካል ምብራኽ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብዕሊ ኣጀሚሮም።
ሓምለዋይ ኣሰር ኣዝዩ ብዙሕ ትሩፋታት ዝተረኸበሉ ስራሕ እንትኸወን፥ ኣብዚ ዓመት ምስ ዝትከል ፈልሲ ናብ 47 ነጥቢ 5 ቢሊየን የብፅሖ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ። እዚ ድና ኣብ ዝቕፅል ዓመት ምስ እንተኽሎ እንትድመር 54 ቢሊየን ንምብፃሕ ዘኽእል ኢዩ።
ብሓፈሻ ኣብዚ ወርሒ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ቀንዲ ቀንዲ ዓውዲታት ሰፋሕቲ ተግባራት ዘካየድሉ፣ ብብርኪ ሃገር ኣብ ፖለቲካ፣ ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊ፣ ሓለዋ ከባቢ ከምኡውን ኣብ ዲጂታልን ፈጠራን ዓውዲታት ተግባራዊ ስጉምቲ ንክህሉ ውሳነ ዘዕረፍሉ ወርሒ ነይሩ። ኩሎም ተግባራት ምዕባለ ኢትዮጵያ ዕላዊ ንምግባርን ብብርኪ ዓለም ዘለዋ ኣድላይነት ንምጉላህን ዝተዓለሙ ዕዉታት ተግባራት ነይሮም።