ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ቀዳማይት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ምስ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ብምዃን ኣብ ዞባ ባሌ ኣብ ዝርከብ ሎጅ ጂንሾን ከባቢኡን ዑደት ኣሳሊጦም።
ብሄራዊ ፓርክ ጎቦ ባሌ ካብ ኣዲስ ኣበባ 400 ኪሎ ሜትሮ ርሒቓ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝርከብ ልዕሊ 2000 ስኬር ኪሎሜትሮ ሰፍሓት ዘለዎ ኢዩ።
እቲ ፓርክ ኣብ ኢትዮጵያ ብብራኽኡ መበል ካልኣይ ደረጃ ዘለዎ ጎቦ ሓዊሱ ዝነኣድ ፅባቐ መልክኣ ምድሪ፣ እንስሳ ዘገዳም፣ ደኒታት፣ ሳዕሪ ምድሪን ዝተፈላለዩ ዓይነታት ገረብን ብምሓዙ “ ዝተፈላለየ ዓለም ኣብ ሓደ ፓርክ” ብምባል ዝፅዋዕ ከምዝኾነ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ገሊፁ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ሎጅ ዲንሾን ከባቢኡን ከምኡውን ምድሪ ሳዕሪ ጌሴ ዝገበርዎ ዑደት ምስ ቀዳማይት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ብምዃን ከምዝኾነ እውን ኣብሪሁ።