ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምቕማጥ እምነ ኩርናዕ ፋብሪካ ዘበናዊ ዱኽዒ ዩሪያን ፋብሪካ መፃረዪ ነዳዲ ጎዴን ስዒቡ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፦
- ፋብሪካ ዘበናዊ ዱኽዒ ዩሪያ ሆልዲንግ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ምስ ዳንጎቴ ግሩፕ ብምትሕብባር ዝህነፅ ኢዩ
- ፋብሪካ መፃረዪ ነዳዲ ጎዴ ብጎልደን ኮንኮርድ ግሩፕ ዝህነፅ እንትኸውን፥ ሎሚ እምነ ኩርናዕ ተቐሚጡ ኣሎ።
- ሎሚ ንኢትዮጵያዊያን ዘኹርዕ ታሪኻዊ ኩነታት ተፈፂሙ ኣሎ። ናይ ክልተ ኣሳገርቲ ፕሮጀክትታት እምነ ኩርናዕ ኣቐሚጥና።
- ፋብሪካ መፃረዪ ነዳዲ ጎዴ ካብ ሂላል ድፍድፍ ነዳዲ ብምውፃእ፣ ብምፅራይን ብምጥርቓምን ኣብ ዓመት 3 ነጥቢ 5 ሚሊየን ቶን ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ኣለዎ።
- ብኻሊእ መዳይ ድማ ፋብሪካ ዘበናዊ ዱኽዒ ዩሪያ ካብ ናይ ጋዝ ቦታ ብምውፃእን 108 ኪሎ ሜትሮ ናይ ምጉዕዓዝ ቱቦ ብምጥቃመን ኣብ ዓመት 3 ሚሊየን ቶን ኣፍሪዩ ከቕርብ ኢዩ።
- እዞም ፕሮጀክትታት ዕብየት ኢንዱስትሪ ካብ ምርኣይ ንዓቐብ ኢዮም።
- ዕድላትና ብምጥቃም፣ መትሕብባራት ናይ ምጥንኻርን ሰላም ናይ ምፅናዕን ሓበራዊ ሓላፍነት ዘርእዩ ኢዮም።
- ኢትዮጵያዊ ኩሉ ብሕብረትን ሓድነትን ንምዕባለ ምእካብና ኣጠናኺርና ክንቅፅለሉ ፃውዒት ኣቕርብ።