ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ሓዱሽ ዓመት 2014 ዓ.መ ኣመልኪቶም ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2013 ዓ.ም(ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ሓዱሽ ዓመት 2014 ዓ.መ ኣመልኪቶም ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እዚ ሓዱሽ ዓመት እነኽብሮ ኣብ ወሳኒ ሃገራዊ ፈተናን ተስፋን ብምዃን ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ፈተናን ተስፋን መካከል ብምዃን ሓዱሽ  ዓመት እንትተኽብር ናይ መጀመሪያኣ ከምዘይኮነ ድማ ሓቢሮም።

ይኹን እንበር ፈተና ናብ ዕድል ብምቕያር ታሪክ ካብ ዝዝክረን ሃገራት ተርታ ንምስላፍ ዓቕምን ቅዋምን ኣለና ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ዝብል ስም  ምስ ምሽናፍ እንበር ምስ ምስ ተስዓራይነት ተፀዊዑ አይፈልጥን ብምባል፥ ምስ ነፃነት እንበር ምስ ባርነት ዝምድና ኣይብሉን ኢሎም።

ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ተፈቲና እንበር ተሳዒራ ከምዘይትፈልጥ ገሊፆም።

አዚ ሓዱሽ ዓመት ኢትዮጵያ ን30 ዓመታት ዝገጠማ ፈተና እንገላገለሉ፣ ሓዱሽ መንግስቲ እነጣይሸሉ፣ ካብ ዘጋጠመና ፈተና እንገላገለሉን ገፅና ናብ ምዕባለ ኢትዮጵያ እነዙረሉን ከምዝኸውን እምነተይ ኢዩ ኢሎም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መግለፂኦም።

ሓዱሽ ዓመት ንሃገርና ይኹን ውልቃዊ ህይወትና ሓዱሽ ነገር ብምሓዝ ዝመፅእ ንሓዱሽ ለውጢ ንባዕልና ብዘዳለናሉ ልክዕ፣ ንምልዋጥ ብዘለና ድልየትን ንዕዑ ንምምላእ ብእነርእዮ ትግሃት መጠን ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።

ከም ሃገር ናብ ሓዱሽ ዓመት እንገብሮ ሽግግር ዝጎድኡና ኣረግቶት ማንነታት ብምድርባይ ብሓደሽቲ ጠቐምቲ ማንነታት ብምትካእ ክኸውን ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

ጳጉሜን 5፣ 2013 ዓ.ም

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com7 /fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment