ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ልምዓት ወሰን ሩባ ቀጨኔ–ኣምባሳደር–ጊዮን–ኢሬቻ–ባምቢስ መሪቖም ንኣገልግሎት ክፍቲ ገይሮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ እዚ 351 ሄክታር ሓፈሻዊ ስፍሓትን 10 ኪ.ሜ ንውሓትን ዘለዎ ልምዓት ኮሪደር ዘበናዊት፣ ሓምለወይቲን ንኹሉ እተሓቁፍን ኣዲስ ኣበባ ናይ ምህናፅ ራኢ ኣብ ግብሪ ዘውዕል ዓብዪ ፕሮጀክት ምዃኑ ገሊፆም።
ብዘበናዊ መሰረተ ልምዓት ዝተዓጀበ እዚ ልምዓት፤ እኹላት ቦታታት መዕረፊ መካይንን ልዕሊ 100 መኻይን ብሓደ ክመልኣ ዘኽእል ሸሞንተ ማእኸላት መምልኢ ናይ ኤሌክትሪክ መኻይን ከምዘለውዎ ገሊፆም።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ምምሕዳር ሩባ፣ ሓለዋ ሓመድን ማይን፣ ከምኡ እውን ኣብ ወሰን ሩባ ብዝርከቡ ሓምለዎት ቦታታት ሓለዋ ከባቢ ምስ ለውጢ ምስሊ ከተማ ከወካህድ ከምዝኸኣለ ኣብሪሆም።
እቲ ልምዓት ካብ ምምሕያሽ ምስሊ ከባቢ ሓሊፉ ሓደሽቲ ኢኮኖሚያዊ ዕድላት ከምዝፈጠረ ኣመልኪቶም።
ዝተዳለወ ማእኸል ዕዳጋ ቅድም ኣብቲ ወሰን ሩባ ይነብሩ ዝነበሩ ነበርቲ ፍርያት ኢደ ጥበብ ከፍርዩን ንምርኢትን መሸጣን ክጥቀሙሉ ከምዘኽእሎም እውን ገሊፆም።
ማእኸል መሸጣ ፍርያት ሕርሻ ድማ ኣፍረይቲ ሕርሻ ምስ ዕዳጋ ከራኽብ እዩ ኢሎም።
እቲ ፕሮጀክት ኣብ ውሽጡ መገዲ እግረኛታትን መገዲ ብሽክለታታትን፤ ከምኡ እውን ዝተዋደደ መሰረተ ልምዓል ስፖርት ዝሓዘ ብምዃኑ፤ ንመነባብሮ ምቹውን ተበፃሒን ዝኾነ ናይ ከተማ ከባቢ ከምዝፈጥር ኣመልኪቶም።
ካብዚ ብተወሳኺ ቦታታት መፃወቲ ቆልዑ፣ ፕላዛታትን ኣምፊ ቲያትራትን፣ መዘውተሪ ስፖርትን ምርኢታት ማይን፣ ንመዘናግዒን ማሕበራዊ ርክባትን ሓደሽቲ ዕድላት ከምዝፈጥሩ ገሊፆም።
ራኢና ንሎሚ ኮነ ንዝመፅኡ ወለዶታት ፅብቕቲ ጥራሕ ዘይኮነትስ፣ መፍረዪት፣ ንኹሉ እተሓቁፍን ንህዝባ ትምጥንን ከተማ ምህናፅ እዩ ኢሎም ኣብ መልእኽቶም።