ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ቤላሩስ ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ ዘትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ዓለም ለኸ ኣቶሚክ ፎረም ጎና ጎኒ ምስ ፕሬዚዳንት ቤላሩስ ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ ዘትዮም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ምስ ፕሬዚዳንት ቤላሩስ ኣሌክሳንደር ሉካሼንኮ ኣብ ክልቲኣውን ዓለም ለኸ ጉዳያት ዘተ ምክያዶም ገሊፆም፡፡

ብተወሳኺ ኣብ ሕርሻ ሜካናይዜሽንን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ኢንቨስትመንት ብሓባር እንሰርሐሉ ኩነታት ተዓዚብና ኢሎም፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment