ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዝደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንሓደ መዓልቲ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ኢትዮጵያ ምስ ፕሬዝደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ተዛቲዮም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ሎሚ መዓልቲ ንፕሬዝደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ብምቕባል ክልተኣዊ ርክብ እተን ሃገራት ኣብ ዝጠናኸረሉ ኩነታት ከምዝተዛተዩ ገሊፆም፡፡

ኣብ ጉዳያት ሰላምን ፀፅታን ቀርኒ ኣፍሪካ ሓሳብ ተለዋዊጥና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ዑደት እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራትና ዘሎ ዓሚቕ፣ ታሪኻዊንኻ ሕውነታዊን ርክብ ዘንፀባርቕ ኢዩ ኢሎም።

እዚ ድማ ኣብ ሰላምን ምርግጋእን፣ ምዝርራብ ኢሉ እውን ኣብ ኣፍሪካዊ ዝመርሖ መፍትሒታት ዘለና ሓበራዊ ፅኑዕ ቅዋም ዘርኢ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment