ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብብሄራዊ ኮሚቴ ኮፕ32 ዝተወገኑ ስራሕቲ ገምጊሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ መበል 32 ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ሕቡራት መንግስታት (ኮፕ32) ንምትእንጋድ ምድላዋታ ኣቐዲማ ጀሚራ ኣላ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ÷ ኣሰናዳኢት ኮፕ32 ከምዝኾነት ሃገር፤ ኢትዮጵያ ‎ብሄራዊ ኮሚቴ ብዕሊ ብምጥያሽ ምድለዋታ ኣቐዲማ ጀሚራ ኢያ ኢሎም።

እዚ ከይዲ ብግልፂ ሸቶን ብዝለዓለ ምልከታን ንምምራሕ ቁልፊ ኣመራርሓ ከምዝተመደበ ብምግላፅ፤ ነዚ ስዒቡ ውዳበ ፕሬዝደንት ኮፕ ዝተዋደደን ዝለዓለ ውፅኢት ዘምፅኡ ናይ ቅድሚት ተግባራቱ ከምዝጀመረ ኣመልኪቶም።

ሎሚ መዓልቲ ምስቲ ብሄራዊ ኮሚቴ ኣብ ዝነበሮም ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ክሳብ ሕዚ ዝተወገኑ ስራሕቲ ከምዝገምገሙ ተዛሪቦም፡፡

በዚ ድማ ክፍተታት ናይ ምፍላይን ኩሎም ፃዕሪታት ምስ ሃገራዊ ራኢ ዝተጠዓዓሙ ምዃኖምን ከምዝተዳህሰሰ ሓቢሮም።

ኣብቲ መድረኽ ካብ ከምጋም ሓሊፉ ሓበራዊ ቀፃሊ ኣንፈት ከምዝተቐመጠ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣገንዚቦም፡፡

ብጥንኩር ምትሕብባር፣ ብዝተወሃደ ልዕሉ ራኢይን ሓበራዊ ፅኑዕ ትግሃትን ተናቢብና እቲ ዓለም ለኸ ኩነት ብልህቀት ብምትእንጋድ ዕቤት ሃገር ዳግም ምርኣይ ግልፂ ትኹረትና ኢዩ ክብሉ እውን ኣፅንኦት ሂቦም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment