ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ወርሒ ሓምለን ነሓሰን 2017 ዓ.ም ቅልጡፍ ኣጀንዳ ልምዓት ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ቁልፊ ዝኾኑ ስትራቴጂካዊ ውጥናት፣ ዓበይቲ ሃገራዊ ኣፈፃፅማ ፕሮጀክትን ስምምሕነት ህንፀትን፤ ብ2.5 ቢሊዮን ዶላር መፍረዪ ኮምፕሌክስ ዘበናዊ ዱኽዒ ዩሪያ ንምጥያሽ ዝተገበረ ስምምዕነት ሓዊሱ ተኸታታሊ ተግባራት ኣሳሊጦም ኢዮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብቲ ወርሒ ካብ ሞንጎ ዝወገኑዎም ቀዳሞት ተግባራት፤ ምስ ኣባላት ቤት ምኽሪ ፓርቲ ብልፅግና ብምዃን ሓዱሽ ዝተሰርሀ ካብ እንጦጦ ክሳብ ኣራት ኪሎ ፕላዛ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ምምራቅ ሓደ ኢዩ።
እቲ ፕሮጀክት ዘደንቕ ለውጢ ካብ ሞንጎ ዝተኻየደሎም ክፍሊታት እታ ከተማ ኢዩ።
ምስዚ ተተሓሒዙ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ድሕሪ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ብልፅግና ከይዲ ስራሕ ልምዓት ወሰን ሩባ ኣዲስ ኣበባ ብሓባር ብምዃን ተመልኪቶም።
እዚ ስራሕ ኣብዚ ዝተትሓዘ ምዕራፍ ኣብ ሓሙሽተ ክፍለ ከተማታት ዝሓልፍን 21.5 ኪሎ ሜትሮ ንውሓ ዘለዎን ኢዩ።
ኣብቲ ወርሒ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ምንቅስቓስ ዝተፈላለዩ ኣፍረይቲ ትካላት ኢንዱስትሪ ዝበፅሑሉን እዋናዊ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ (Production capacity) ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም።
ንኣብነት ድማ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ኢንደስትሪ ፓርክ ሃዋሳ ኣብ ዝነበሮም ዑደት ኣብቲ ፓርክ ዝተዋፈሩ ኩባንያታት ካብ ሓይሊ ፀሓይ መፈልፈሊ እናፍረዩ ከምዝኾኑ ተመልኪቶም ንኢዶም።
ናብ ደቡባዊ ክፋል እዛ ሃገር ብምጉዓዝ ድማ ዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳት ልምዓትን ኣፈፃፅማ ፕሮጀክትን ምዕዛብ ዝቐፀሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፤ ኣብ ከተማ ኣርባምንጭ ፕሮጀክት ገበታ ንትውልዲ ሓዊሱ እናተኻየዱ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት ተዓዚቦም ኢዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበረና ትዕዝብቲ ብሰፊሑ ዝተወገነ ልምዓት ወሰን ሩባ ኩልፎ ነታ ከተማ ፍሉይ መልክዓት ተወሳኺ ምስሊ ፈጥሩ ኢዩ ኢሎም።
ኣብቲ ተኸታታሊ ዑደቶምን ትዕዝብቲ ስራሕቲ ልምዓቶምን፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ውፅኢታት ሓምለዋይ ልምዓት ከምኡ እውን ዘድንቕ ስራሕቲ ልምዓት ፍረምረ ሕርሻ ካብ ኣርባምንጭ ክሳብ ወላይታ ሶዶ ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም።
ካብዚ ብተወሳኺ ናብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ብምምራሕ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ክልል ኣሶሳን ከባቢኣን ዘሎ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደርን ምንቅስቓስ ልምዓት ኢንዱስትሪን ዘምፅኡ ጭቡጣት ለውጢታት ተመልኪቶም።
ብፍላይ ድማ ካብ ኣሶሳ ዝተወሰነ ኪሎሜትር ርሕት ዝርከብ ፋብሪካ ወርቂ ኩርሙክ ዘደንቕ ስራሕ ውፅኢቱ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ተመልኪቶም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብዚ ወርሒ ዝወገኑዎ ካሊእ ተግባር፤ ኣብ ኣምር መደመር ዝፀሓፉዎ ራብዓይን “የመደመር መንግስት” ዝተሰመየ ሓዱሽ መፅሓፍ ብዝምልከት ምስ ፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ዝገበሩዎ ሰፊሕ ቃለ መሕትት ኢዩ።
ኣብዚ መብርሂኦም ድማ መፅሓፍ የመደመር መንግስት፤ ሓሳብ ናይ ሓባርን ገዛኢን ንኽኸውን ዘኽእሉ ብዙሓት ከይዲታት ዝሓለፈ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ብኻሊእ መዳይ ንስግግር ሕርሻ ኢትዮጵያ ልዑል ዝላ ከምዝኾነ ኣብ ዝተኣመነሉ ክንፊ ስትራቴጂክ ኢንቨስትመንት መንግስቲ ዝኾነ ኢንቨስትመንት ሆልዲንግ ኢትዮጵያን ዳንጎቴ ግሩፕን ኣብ ከባቢ ጎዴ ዓለም ለኸ ደረጃኡ ዝሓለወ ኮምፕሌክስ መፍረዪ ዘበናዊ ዱኽዒ ዩሪያ ንምጥያሽ ተፈራሪሞም ኢዮም።
ብሓፈሻ ኣብ ወርሒ ሓምለን ነሓሰን 2017 ዓ.ም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ልዑል ዝኾነ ሃገራዊ ፕሮጀክታት ኣፈፃፅመኦም ብዝምልከት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገር ብምዝውዋር ትዕዝብቲ ዝገበሩሉን ምንቅስቓስ ፕሮጀክታት ንኽሳለጥ ብኣካል ተረኺቦም ኣንፈት ዘቐመጡሉን ዕዉት ወርሒ ኢዩ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!