ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዞባ ባሌ፣ ወረዳ ደሎ መና ብሚኒስቴር መስኖን ቆላማ ከባቢን ኣቢሉ ዝተጀመረ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ሩባ ወልመል መሪቖም።
እቲ ፕሮጀክት ሩባ ወልመል ብመስኖ ብዝግባእ ብምጥቃም መፍረያይነት ሕርሻ ብምብራኽ ሉኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ ዝተወገነ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣመሓላሊፎም።
ዘላቂ ስርዓ ገፀ ምድሪ መስኖ ብምህናፅ ስራሕቲ ሕርሻ ንዘበናት ኣብ ማይ ዝናብ ተመስሪቱ ዝነበረ ህዝቢ እቲ ከባቢ ዘላቒ ሜላ ናብራ ንምጉንፃፍ ተሓሲቡ ዝተሃነፀ ‹ፕሮጀክት ኢዩ ኢሎም።
እቲ ፕሮጀክት ብሙሉእ ዓቕሙ ናብ ተግባር ኣብ ዝኣትወሉ እዋን 20 ሺሕ ንዝኾኑ ሓረስቶት ዘያገልግል 9 ሺሕን 687 ነጥቢ 45 ሄክታር ሕርሻ መሬት ዘተኣማምን ቀረብ መስኖ ክህልዎ ኢዩ ኢሎም።
እዚ ድማ መፍረያይነት ሕርሻ ዘደንፍዕ፣ ንድርቂ ዘይብዳህ ከባቢ ዝፈጥር ኢሉ እውን ኣብቲ ማበረሰብ ሓዱሽ ዕድል ስራሕ ዝፈጥር ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!