ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ህንፀት ቡሳ ጎኖፋ ኦሮሚያ ዝተዋደደ ኢንዱስትሪ ምግቢ ኣጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ህንፀት ቡሳ ጎኖፋ ኦሮሚያ ዝተዋደደ ኢንዱስትሪ ምግቢ ኣጀሚሮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፆም ኣብ ዝስፈርዎ መልእኽቲ፥ ሎሚ ዝጀመርናዮ ህንፀት ቡሳ ጎኖፋ ኦሮምያ ዝተዋደደ ኢንዱስትሪ ምግቢ፣ ሕርጭ መሸላ ባሕሪን መሸላን ከምኡ እውን ተዛመድቲ 14 ፍርያት መሸላ ባሕሪ ንምፍራይ ዝዓለመ እዩ ኢሎም።
እቲ ፕሮጀክት ተዛዚሙ ናብ ስራሕ ምስኣተወ መዓልታዊ 2000 ቶን መሸላ ባሕሪና 120 ቶን መሸላን ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ክህልዎ ገሊፆም።
ብተወሳኺ ንልዕሊ 6ሺሕን500 ሰራሕተኛታት ቀዋምን ግዝያውን ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥር ኣመልኪቶም።
እቲ ፕሮጀክት ንሓረስቶት እቲ ከባቢ፣ ሕብረት ስራሕ ማሕበራትን ኣፍረይቲ ውልቀ ሴክተራትን ዓብዪ ሰንሰለት ዕዳጋ ይፈጥር፣ ነቲ ከባቢ ኢኮኖሚ እውን የዕቢ እዩ ክብሉ ኣረዲኦም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment