ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ መኽፈቲ ጉባኤ ስርዓተ ምግቢ ምስ ዝተረኸቡ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ብምዃን ፈልሲ ብምትካል ሓምለዋይ ኣሰር ኣንቢሮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ኢትዮጵያን ጣሊያንን ብምትሕብባር ኣብ ዝሰደናደአ መኽፈቲ ካልኣይ ጉባኤ ስርዓተ ምግቢ ሕቡራት መንግስታት ምስ ዝተረኸቡ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ብምዃን #ሓምለዋይ ኣሰርና ኣንቢርና ኢሎም።
ካብዚ ብተወሳኺ እዚ ተግባር ንፈተና ዘይብዳህን ዘላቒ ስርዓተ ምግቢ ኣብ ምህናፅን ከይዲ ሓለዋ ድኒን ከባቢን ቀዳማይ ተግባር ዝገልፅ ከምዝኾነ ኣብ መልእኽቶም ሓቢሮም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!