ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ዋንግ ይ ተዛቲዮም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ከመዝበሉዎ÷ ኢትዮጵያን ቻይናን ንዓሰርተታት ዓመታት ዝዘለቐ ጥንኩር ርክብ ኣለወን።

እዚ ርክብ ኣብ ቀረባ እዋን ብኹነታት ናብ ዘይልወጥ ስትራቴጂክ ምትሕብባር ዓብዩ ኢዩ ኢሎም።

ሎሚ መዓልቲ ንሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ዋንግ ይ ተቐቢለ ብፅንዓት ኣብ ዝጓዓዝ ርክብ ህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያን ቻይናን ተዘራሪብና እውን ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)።

ኣብ ዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያት ምትሕብባር ልምዓት ንምውጋን ኣብ ዘለዎም ፅኑዕ ቅዋም ከምዝተዛተዩ እውን ሓቢሮም።

ኣብ ኢኮኖሚ፣ ንግዲ፣ መሰረተ ልምዓት፣ ቀረብ ሓይሊን ትራንስፖርትን ኢሉ እውን ሓደሽቲ እናተፈጠሩ ኣብ ዝርከቡ ከም ደኢ-ኮሜርስ፣ ዲጂታል ኢኮኖሚ፣ ሰብ ስራሕ ምስትውዓልን ልምዓት ሓምለዋይ ሓይሊን ምትብባርና ንምጥንኻር ከምዝተዛተዩ ኣመልኪቶም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment