ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ዋንግ ይ ተዛቲዮም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ከመዝበሉዎ÷ ኢትዮጵያን ቻይናን ንዓሰርተታት ዓመታት ዝዘለቐ ጥንኩር ርክብ ኣለወን።
እዚ ርክብ ኣብ ቀረባ እዋን ብኹነታት ናብ ዘይልወጥ ስትራቴጂክ ምትሕብባር ዓብዩ ኢዩ ኢሎም።
ሎሚ መዓልቲ ንሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ዋንግ ይ ተቐቢለ ብፅንዓት ኣብ ዝጓዓዝ ርክብ ህዝቢን መንግስቲን ኢትዮጵያን ቻይናን ተዘራሪብና እውን ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)።
ኣብ ዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያት ምትሕብባር ልምዓት ንምውጋን ኣብ ዘለዎም ፅኑዕ ቅዋም ከምዝተዛተዩ እውን ሓቢሮም።
ኣብ ኢኮኖሚ፣ ንግዲ፣ መሰረተ ልምዓት፣ ቀረብ ሓይሊን ትራንስፖርትን ኢሉ እውን ሓደሽቲ እናተፈጠሩ ኣብ ዝርከቡ ከም ደኢ-ኮሜርስ፣ ዲጂታል ኢኮኖሚ፣ ሰብ ስራሕ ምስትውዓልን ልምዓት ሓምለዋይ ሓይሊን ምትብባርና ንምጥንኻር ከምዝተዛተዩ ኣመልኪቶም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!