ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ምስ ቀዳማዊት እመቤት ብምዃን ኣብ ቤት ትምህርቲ ዓይነ ስዉራን ሼይካ ፋጢማ ቢን መብሩክ መኣዲ ኣካፊሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ኣብ ቤት ትምህርቲ ዓይነ ስዉራን ሼይካ ፋጢማ ቢን መብሩክ ብምርካብ መኣዲ ኣካፊሎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ሓበሬታ÷ “ኣብ ዕለት በዓል ልደት ምስ ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ብምዃን ኣብ ቤት ትምህርቲ ዓይነ ስዉራን ሼይካ ፋጢማ ቢን መብሩክ መኣዲ ኣካፊልና” ኢሎም፡፡

እዛ ፍልይቲ ወጋሕታ ብሓባር ብምሕላፍና ሓቀኛ መንፈስ ልደት ዘርአየና ኮይኑ ክብሉ እውን ኣመልኪቶም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment