ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ምስ ወራሲ ዓራት ኣቡዳቢ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ወራሲ ዓራት ኣቡዳቢ ልኡል ሼኽ ካሌድ ቢን መሃሙድ ቢን ዛይድ ኣልናህያን ተዛቲዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ጎድና ጎድኒ እቲ ጉባኤ ምስ ወራሲ ዓራት ኣቡዳቢ ልኡል ሼኽ ካሌድ ቢን መሃሙድ ቢን ዛይድ ኣልናህያን ናይ ምዝታይ ዕድል ረኺብና ኢሎም።

ዘተኦም ድማ ስትራቴጂካዊ ምትሕብባር ብምጥንኻር ንዝበለፀ ሓበራዊ ስጉምቲ ዕድላት ኣብ ምርኣይ ዘድሀበ ከምዝነበረ ገሊፆም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment