ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዚዳንት ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ሲዲ ኡልድ ታህ (ዶ/ር) ተዛቲዮም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ÷ ምስ ሓዱሽ ፕሬዚዳንት ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ሲዲ ኡልድ ታህ (ዶ/ር) ተዛቲተ ኢሎም።
እቲ ዘተ ድማ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ኣብ መላእ ኣፍሪካ መካተቲ ዕቤት ንኽህሉ ዝገብሮ ወሳኒ ግደ ዘጠናኸረ ከምዝነበረ ኣመልኪቶም፡፡
ጎድናጎድኒ ኣብ ጆሃንስበርግ እናተኻየደ ዝርከብ ጉባኤ መራሕቲ ጉጅለ 20 ዝተገበረ ዘተ ኢዩ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!