ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሎሚ መዓልቲ ስራሕቲ ህንፀት ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ኣጀሚሮም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ÷ ቅልጡፍ ዕቤት ትራንስፖርት ኣየር ኢትዮጰያ እናሰፍሐ ዝመፅአ ዓለም ለኸ ምትእስሳር መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዘላቒ ንምግባር ይስራሕ ኣሎ ኢሎም፡፡
ነዚ ድማ ብዓመት ናብ 25 ሚሊዮን ዝፅግዑ መገደኛታት ናይ ምትእንጋድ ዓቕሚ ካብ ዝበፅሐ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ብተወሳኺ ሓዱሽ ሜጋ ጣቢያ እናለምዐ ይርከብ ክብሉ ሓቢሮም።
እዚ ዝተፈላለዩ መዕርፎ ነፈርቲ ናይ ምህናፅ ስትራቴጂ ንኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ መሪሕ በሪ ትራንስፖርት ኣየር ናይምግባር ዕላማ ዝተሓንገጠ ኢዩ።
እዚ ዝተፈላለዩ መዕርፎ ነፈርቲ ናይ ምህናፅ ስትራቴጂ ንኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ መሪሕ በሪ ትራንስፖርት ኣየር ናይምግባር ዕላማ ዝተሓንገጠ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ኣብ ታሪኽ ኣፍሪካ ዝዓበየ ፕሮጀክት መሰረተ ልምዓት ትራንስፖርት ኣየር ከምዝኸውን ኣገንዚቦም።
እቲ መዕርፎ ነፈርቲ፤ ምስ ሃገራዊ ኢኮኖሚ ሪፎርም ኢትዮጵያ፣ ኣጀንዳ መስፋሕፍሒ ኢንደስትሪን ናይ ነዊሕ ዘበን ስትራቴጂ ኣቪየሽንን ዝተናበበን ዓለም ተወዳዳራይነት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ከምዘጠናኽርን ገሊፆም።
ብማዕቀፍ ”ኤኤፍሲኤፍቲኤ” ንኣፍሪካ ናይ ምርኻብ ዓቕሚ ከምዝውስኽ ብምሕባር÷ ኮሪደራት ንግዲን ቱሪዝምን ዘስፍሕን ንኢትዮጵያ ድማ ቀዳመይቲ ማእኸል በይነ ኣህጉር ዝገብርን ኢዩ ኢሎም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!