ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) በዓል መስቀል 2018 ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም፥ እዚ ዓመት ብርሃን ኢትዮጵያ እንትወፅእ እንሪአሉ ክኸውን ኢዩ ኢሎም፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ዘመሓላለፉዎ ሙሉእ መልእኽቲ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡፡
እንኳዕ ንበዓል መስቀል ኣብ ፀሐኩም
በዓል መስቀል እንትሕሰብ ሓቂ ተቐቢራ ከምዘይትተርፍ ንሓስብ።
መስቀሉ ዝተቀበረሉ ቦታ ናብ እምባ ተቐይሩ ነይሩ። ዝቐበሩዎ ሰባት ድሕሪ ሕዚ ከምዘይወፅእ ደምዲሞም ነይሮም። ሓደሓደ ኣመንቲ እውን ተስፋ ቆሪፆም ነይሮም።
ግዘ ብዝነውሐ ቁፅሪ ነቲ ዝመስቀል ዝቐበሩዎ ሰባት ዝሰዓሩ መሲሉዎም ተሓጎሱ። ዝተቐበረ መስቀል እውን ታሪኽ ዝኾነ መሰለ።
ብርቱዓት ሰባት፣ ሓቂ ዝእልሹ ሰባት፣ ኣቦራ ዝነግፉ ሰባት፣ ረሳሕ ዘፅርዩ ሰባት፣ እንትመፅኡ ግን እቲ መስቀል ካብ ዝተቐበረሉ ወፅአ።
ሓቂ ኣይትቕበርን። እዋኑ እንትበፅሕ ኣቦራኣ ነጊፋ ኣሰራ ተርኢ። ሓሶት ከም ደበና ኣትኒና፣ ሓቂ ከም ከውሒ ጎሊሃ ትረአ።
ናይ ኢትዮጵያ ሓቂ እውን ከምዚ ኢዩ። ምንቃው ኩኩናይ ምውፃእ ፀሓይ ኣየትርፍን። ክንፊ ዒፍ ለይቲ ንወጋገን ፀሓይ ኣይእግዶን። በዚ በለ በቱይ ፀሓይ ትወፅእ ኢያ።
ናይ ኢትዮጵያ ከም መስቀለ ኣቦራ ጥሒሱ፣ ሓመድ ኣፍሪሱ፣ ረሳሕ ሃንዲሱ ክቕላዕ ኢዩ። ዝወግኡዋ ክሪኡዋ ኢዮም። ኣብ ላእሊ ኮይኖም ከምዝረኣዩዋ፣ ኣብ ታሕቲ ኮይኖም እውን ክረግሙዋ ኢዮም።
ብዳሜራ ምድማር እናተመራሕና፣ ብትግሃት እናኾዓትና፣ ምዕባለ ኢትዮጵያን ክነውፅእ ኢና። እዚ ዓመት ብርኣን ኢትዮጵያ እንትወፅእ እንሪአሉ ክኸውን ኢዩ።
ዳግም ርሑስ በዓል ዳሜራን መስቀል ይኹነልና ይብል።
ኢትዮጵያ ብፃዕሪ ደቃ ተሓፊራን ተኸቢራን ንዘላለም ትንበር!!
ፈጣሪ ንኢትዮጵያን ህዝባን ይባክርኽ!
16 መስከረም 2018 ዓ.ም