ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብሕልፈት ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ኬንያ ራይላ ኦዲንጋ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ብሽም መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓዘኖም ብምግላፅ ነብሶም ብሰላም ንኽትዓርፍ ተመኒዮም።
ራይላ ኦዲንጋ ብዝሓደሮም ሕማም ኣብ ሃገረ ህንዲ ሕክምናኦም እናተኸታተሉ ፀኒሖም ኣብ 80 ዓመቶም ካብዛ ዓለም ብሞት ከምዝተፈለዩ ተሓቢሩ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!