ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ንበዓል ትንሳኤ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንበዓል ትንሳኤ ኢየሱስ ክርስቶስ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ሓፈሻዊ ትሕዝቲ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።

እንኳዕ ንበዓል ትንሳኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብፀሐኩም፣ ኣብፀሐና!

በዓል ትንሳኤ ብኣመንቲ ክርስትና ፍሉይ ቦታ ዘለዎ በዓል ኢዩ። ሞት ዝተሳገረሉን ህይወት ዋሕስ ዝረኸበሉን ኢዩ። ድሕሪ ሞት ህይወት፣ ድሕሪ መቓብር ትንሳኤ ምህላዉ ዝተኣወጀሉ። ሞት መወዳእታ መቓብር መዛዘሚ ከምዘይኮኑ ዝተረጋገፀሉ ኢዩ። ብኣዳም ምኽንያት ናብ ምድር ዝወረደ ሰብ፣ ብክርስቶስ ምኽንያት ንላዕሊ ዝወፅአሉ ኢዩ።

ናይዚ ዓመት በዓል ትንሳኤ እነኽብሮ ሃገርና ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓልፍ ፈተና ከምትርከብ እናሓሰብና ኢና። መገዲና ነዊሕ፣ ጉዕዞና ፈታኒ ከምዝኾነ ንፈልጥ ኢና። ብርሃን ከይንርኢ ዝኽውሉ፣ ኣብ ዓሚቕ ፀልማት ጠፊእና ክንተርፍ ኣሲሮም ንመሓዝ ዝፍትኑ መፃወዲያታት ብዙሓት ኢዮም። ናብ ተስፋ ምድሪ ከይንሳገር ዝጎቱ ሰበባት መሊኦም ኢዮም። ኮይኑ ግን ድሕሪ ሕማማት ትንሳኤ፣ ድሕሪ ዕንቅፋት ዓወት ከምዝፅበየና ኣሚንና ክንቃለስ ኢና።

ኣብ ድሮ ትንሳኤኡ – ርግፀኛታት፣ ተስፈኛታት፣ ተስፋ ቆራፃት፣ ወረኛታት፣ ተስፋ ዘቑርፁ፣ ተጠራጠርቲ ነይሮም። ርግጠኞቹ የሕማማቱ ፈተና እንደሚያልፍ ርግጠኞች ነበሩ። ርግፀኛታት ዝኾኑ መስዋእትነት ንምኽፋል ድሉዋት ነይሮም። ሓቂ ንምምስካር ቆራፃት ነይሮም። ኣብ ትሕቲ መስቀሉ ንምርካብ ደፋራት ነይሮም።

ሓደ ፅቡቕ ነገር ይፅበዩ ነይሮም። ተስፈኛታት ድማ ዝተውሃበ ትምህርቲ፣ ዝተገበረ ተኣምራት ሰሚዖም፤ ሪኦም፤ ሓደ ነገር ተፀብዮም። ነገር ግን ግቡእ መስዋእትነት ንምኽፋል ድሉዋት ኣይነበሩን። ተስፋ ዝቖረፁ ብዝሪኡዎን ብዝሰምዑዎን ቀልጢፎም ዝውሰዱ ኢዮም። ኣብ ሞንጎ ሓቂን ሓሶትን፣ ፍርሒን ፅንዓትን ዘሎ ዶብ ዝጠፍኦም ኢዮም። ሕማማት እንትመፅእ ቀልጢፎም ናብ ትዝታ ኣተዉ። ኩሉ ነገር ናይ ትማሊ ታሪኽ ጥራሕ ገይሮም ወሰዱዎ።

በዓል ትንሳኤ ናይዞም ኩሎም ሓቀኛ መንነት ዝገለፀ ኢዩ። ርግፀኛታት ውፅኢት ቆራፅነቶም ብትንሳኤ ረኸቡ። ተስፈኛታት ከምዚ ንዝሓልፍ ግዘ ብዘይምፅነዖም ሓዘኑ። ተስፋ ዝቖረፁ ኣሳጊርካ ምርኣይ ኣብዩዎም ካብ ቦታኣም ምጥፈኦም ተናስሑ። ወረኛተት ብናይ ትንሳኤኡ ሓቂ ዝተበገሰ ዝኹሉ ወረ ከም ሓወልቲ ናቡከደነፆር እንትፈርስ ረኣዩዎ። ተስፋ ዘቑርፁ ዝቀተሉዎ ክርስቶስ እንትለዓል፣ ዝዓፀዉዎ መቓብር እንትኽፈት፣ ዝሓተሙዎ ማሕተም እንትቕደድ፣ ዝመደቡዎም ሓውቲ እንትሃድሙ ብዓይኖም ረኣዩ።

ናይ ኢትዮጵያና ነገር እውን ከምኡ ኢዩ። ብለውጢ ኢትዮጵያ ርግፃኛታት ዝኾኑ ዋጋ ይኸፍሉ፤ ርግፀኛነት ፈሪሖም ተስፈኛታት ዝኾኑ እንተወሓደ ኣንደበቶም ካብ ክፉእ ይሕልዉ፡፡ ተስፋ ዝቖረፁ ፅባሕ ምርኣይ ስለ ዘይኽእሉ መገዶም ይቕይሩ፡፡ ወረኛታት ኣውሪዮም ዝሓድሩ ስለዝኾኑ ናይ ወረ እንጀራ ይስንክቱ። ተስፋ ዘቑርፁ ድማ “ንፀባ ፀሊም ብምባል፣ ንመዓር ኣምሪሮም” ንለዋሃት ኣታሊሎምዎም፡፡

ኢትዮጵያና ግን ትንሳኤኣ እናረአየት ትርከብ። መግነዝ ፈቲሓ፣ መቓብር ከፊታ፤ ማሕተም ቀዲዳቶ ኣላ። ትንሳኤኣ ስለዘይተርፍ ንሳ ድሕሪ ሕዚ ትፅበዮ ዕርገት ኢዩ። እትጓዓዞ ሓይሊ ከምዝወርደላ ኣረጋጊፃ ኢያ። ንደሓር ምምላስ የለን። ሕማማት ሓሊፉ ኢዩ፤ ዓርቢ እውን ሓሊፉ ኢዩ፤ ቀዳም እውን ሓሊፉ ኢዩ። ትንሳኤ መፂኡ ኢዩ።

ኢትዮጵያ ትንሳኤ ካብ ዝኽበረሎም ምዕራፋት ሓደ ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝካየድ መረፃ ኢዩ። ብዘይ ሕማማት ትንሳኤ ከምዘይሕሰብ ኩሉ ዴሞክራሲ እውን ካብ ውፃእ ውረድ ነፂልካ ምርኣይ ኣይሕሰብን።

እንተደለና እውን ፈተና ኣይነትርፍን፤ ክንፀንዕ ግን ንኽእል ኢና። ካብ ድኽነት መውፅኢ ብርተዐ፣ ናብ ዴሞክራሲ ምብፅሒ ትዕግስትና ከምዝኾነ ኣሚንና ንትንሳኤ ኢትዮጵያ ብሙሉእ ልብና ንትጋህ!!

ደጊመ ርሑስ በዓል ትንሳኤ ይኹነልና።

ኢትዮጵያ ብፃዕሪ ደቃ ተሓፊራን ተኸቢራን ንዘላለም ትንበር!!

ፈጣሪ ንኢትዮጵያን ህዝባን ይባርኽ!

3 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment